ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላማ መግለጺ ህወሓት ንጽውጽዋያት ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣልጀርስ ንምብዳህ'ዩ ይብል ክልል ትግራይ


TPLF
TPLF

ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ህወሓት ንረብሓ ትግራይ ኣብ ዝጎድእ ተግባራት ከምዘይሳተፍ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ‘ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝወጸ መግለጺ ኢህወዴግ ብዝኾነ መምዘኒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ኣይኮነን’ ይብል።

ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምፍታሕ ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ዕውት ንክኸውንን ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንክረጋገጽን ዝተጀመረ ጻዕሪ ክቕጽል’ዩ’ውን ይብል እቲ መግለጺ።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ‘ዕላማ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ህወሓት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይዝረበሉ ዘሎ መደናገሪ ሪኢቶታት ንምእራም’ዩ ካብኡ ዝሰገረ ግና ኣሕሊፍና ንህቦ መርየት የለን፣ ናይማትና መርየት’ውን ኣይንወስድን’ ኢሉ።

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ’ዚ ቅነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ስለ ረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተባሂሉ ብይን ኮምሽን ዶብን ውዕል ኣልጀርስን ተቐቢሉ ንምትግባሩ ከምዝተዳለወ ከምዝገለጸ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:07 0:00

XS
SM
MD
LG