ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሹመትን ስዕረትን ቀዳማይ ምንስትር ሶማሊያ ዝነበሩ ሞሓመድ ዓብዱላሂ


‘ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈተይ ጠያይቲ ዓሪፎም እዮም፡እዚ ልሙድ እዩ ` ሞሓመድ ዓብዱላሂ

ቅድሚ ሓደ ዓመት አብ ኒው ዮርክ አብዝርከብ ሓደ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ይሰርሑ ዝነበሩ ዓብዱላሂ ሞሓመድ ሞበቆሎም ናብ ዝኾነት ሞቃድሾ ዑደት ንኽፍፅሙ ዕድመ ቀረበሎም።ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኣክል ካብ ሃገሮም ሪሒቖም ዝነበሩ ሰብ እዮም።ናብ ሱማሊያ አብዝተመለስሉ እዋን ግን ናይ ቀዳማይ ምንስቴርነት ስልጣን ንኽሕዙ ዕድመ ቐሪቡሎም።ሃገሮም ናይ ምግልጋል ግቡእ ኣለኒ ኢሎም ስለዝኣመኑ ድማ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ብምሓዝን አብ ቅድሚኦም እንታይ ከምዝፅበዮም ከይሓሰቡን ስልጣን ተቐቢሎም

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ገፆም ብዙሕ ታሕጛስ ዘይርአዮምን ድኻም ዝረአዮምን ሞሓመድ ዓብዱላሂ ሞሓመድ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት መንግስታት ቐሪቦም ነይሮም።ከም ቀዳማይ ምንስቴር ሓንቲ ብናይ 20 ዓመታት ሕድ ሕድ ኹናት ዝተሳቐየት ሃገር ኣብ ሱማሊያ ዝተስፋሕፍሐ ግብረ ሽበራ ወይ እውን ኣብ ወሰን ማያ ዝተጋፍሐ ኽትራን ባሕሪ ከመይ ገይሮም ጠጠው ከምዘብሉዎ እዮም ዝጭነቁ ነይሮም።

ሞሓመድ ዓብዱላሂ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ካሊእ ናይ ሓላፍነት ቦታ ነይሮም።አብ ሕምብርቲ ቡፋሎ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብዝርከብ ኽፍሊ ሞጎዓዝያ ቤት ፅሕፈቶም።

ሞሓመድ ‘’እቶም ፕሬዝዳንት ንኸዛርቡኒ ከምዝድለ ካብ ሞቃድሾ ስልኪ ክሳብ ዝድወለለይ ብሓቂ ንምዝራብ ኣብኡ ምስከድኩ’ውን ዝቕፅል ቀዳማይ ምንስቴር ክኸውን እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን።’’ይብሉ።

ናይ ሞሓመድ ሹመት ሃንደበት እዩ ነይሩ ዝበሉ ኖርዝ ካሮላይና አብዝርከብ ዴቪድሰን ኮለጅ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ኪኢላ ሱማሊያን ዝኾኑ ኬን መንክሃውስ ብዛዕብኦም ዝተረድእዎ እንትገልፁ ንሶም እድብ ዝበሉን ክዛረቡ እንተለው’ውን ልስልስ ዝበለ ለዛ ዘለዎምን ወዲ 48 ዓመት ሰብ ምኻኖም እዩ።ኣብ ከባቢኦም አብዝርከቡ ስደተኛታት ማሕበረሰብ ካብዝገብርዎ ምንቅስቃስ ወፃኢ ብተፈጥርኦም ንናይ ምነግስቲ ስልጣን ዝኾኑ አይነበሩን ይብሉ።

ናይ ሞሓመድ ዓብዱላሂ ብሃንደበት ናብ ስልጣን ምድያብ ምኽንያት ፕሬዝዳንት ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ኣብ 2009 ኣ/ፈ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዑደት ኣብዝፈፀምሉ እዋን ብዝረኸብዎ ምስኦም ናይ ምልላይ ዕድል ነይሩ።ካብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝነአሰ እዋን ሞሓመድ ቀዳማይ ምንስቴር ኮይኖም።

ሽዑ ንሽዑ ይብሉ መንክሃውስ ህይወት ሞሓመድ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።

ሎሚ ኣብ ሞቃድሾ ምንባርን ምስቲ መንግስቲ ምስራሕን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።ጂሃዲያዊያን ቅንፀላ ከም ቀንዲ ናይ መሾቕረሪ መሳርሒ ገይሮም ይጥቀምሉ እዮም ይብሉ መንክሃውስ።

ሞሓመድ ኣብ ብዙሓት አጋጣሚታት ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቶም ጠያይቲ ከምዝዓለቡን እዚ ድማ ልሙድ ምዃኑን ይዛረቡ።

ሞሓመድ ዝተኣታተውዎም ኣገባባት ብሱማሊያዊያን ዓብይ ተቐባልነት ዘርከበሎም እንተኾነ’ውን ምርጫ ንኽናዋሕ ንዝቐረበ ትልሚ ብምቅዋሞም ቀዳማይ ምንስቴር ሞሓመድ ግን ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ብኣፈ ጉባኤን እቶም ፕሬዝዳንትን ፀቕጢ ይግበረሎም ነይሩ።

እዚ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሞቃድሾ፤ኣብ ቶሮንቶን ለንደንን አብዝርከቡ ናይ ስደተኛታት ማሕበረሰብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንኽልዓል ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ግን አይኮነሎም። መንግስቲ እናዓበየ ይኸይድ ኣብ ዝነበረ ናይታ ሃገር ጥምየት ንኸተኩር ምእንታ ኣብ መወዳእትኡ ካብ ስልጣነይ ወሪደ ይብሉ ዓብዱላሂ።ንሙሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG