ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ማህበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ መቕተልትን ማእሰርትን ደው ክብል ንምሕታት ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ከምኡ’ውን ካብ ፔንስለቫኒያ ከምዝተኣኻኸቡ ተፈሊጡ’ሎ። ካብቶም ሰልፈኛታት ሓደ ዝተኣከብሉ ምኽንያት ከምዚ ክብል ይገልጾ።

‘ኣብዚ ዝተረኸብናሉ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋን ቕትለትን ብምቅዋም ድምጽና ንምስማዕ እዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ውግእ እናተኻየደ እዩ። ህጻናት፣ብዕድመ ዝደፍኡን ሰራሕተኛታትን ከይተረፈ በብመዓልቱ ይቕተሉ ኣለዉ።መንግስቲ ነቲ መቐተልቲ ደው ከብሎን ንህዝቢ ዓለም እውን ድምጽና ንምስማዕን ኢና ኣብዚ ተረኺብና ዘለና።’

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመንን ኖርወይን ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝተኻየደ ዝበጽሐና ዜና ሓቢሩ።

ብኻልእ ዜና ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ክፍለ ግዝኣት ዝኾና ሬና ሞራን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሓደ ረቂቕ ናብ ናይቲ ክፍለ ግዝኣት ባይቶ ኣቕሪበን።

ሬና ሞራን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘቕረብኦ ረቂቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝሃቦ ከቢድ ምላሽ ኣተሓሳሲቡኒ ይብል።

ኣሰሓሓቢ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ብምቅዋም ኦሮሞ ተማሃሮ ተቓውምኦም እንተስምዑ እውን መንግስቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ እንተወሓደ 78 ሰባት ሞይቶም፣ብኣማኢቲ ዝቁጸሩ ቆሲሎምን ኣሽሓት ድማ ከምዝተኣስሩን እቲ ረቂቕ ይዝርዝር።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒሶታ ድማ ነቲ ረቂቕ ክፍርምሉ ሓቲተን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG