ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራት ኬንያ ሎሚ’ውም ኣለሻ ሬሳታት ቀፂሎም ውዒሎ


A Kenyan army soldier takes cover behind a wall at Westgate Shopping Center in Nairobi September 21, 2013.
A Kenyan army soldier takes cover behind a wall at Westgate Shopping Center in Nairobi September 21, 2013.
ወታደራት ኬኒያን ክኢላታት ቤት ፍርድን ልዕሊ 65 ህይወት ዘጥፍአ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዌስትጌት ንኣርባዕተ ማዕልታት ብዝፀንሐ ናይ ኣሸበርቲ ወራር ዝሞቱ ተወሳኺ ሬሳታት እናኣለሹ እዮም።

ሓይልታት ወታደር እውን ሬሳታትን ዝተሓብኡ ዕጡቓትን እንተሃሊዮም ኣለሽኦም ቀፂሎም።
ክሳብ ሎማዕንቲ ረቡዕ ልዕሊ 70 ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምንስቴር ውሽጢ ሃገር ኬንያ ጆሴፍ ኦሌ ለንኩ ሎማዕንቲ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሰበስልጣን መንነት እቶም ኣጥቓዕቲ ንምፍልጣ ኣብዝግብር ፃዕሪዎ ትዕግስቲ ሓቲቶም ኣለው።ኣብቲ ምርመራ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ፣ብሪታኒያ፣እስራኤል፣ጀርመን፤ካናዳን ዓለምለኸ ፖሊስን ይሳተፉ ኣለው።
ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ 67 ስቪላትን ሰራሕተኛታት ፀጥታን ንዝተቐተልሉ መጥቓዕቲ ሰለስተ ናይ ሓዘን ማዕልታት ኣዊጆም።እንተውሓደ ሓሙሽተ ኣሸበርቲ ተቐቲሎም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዛዕባ ስትራተጂ ፀረ ሽብር ንምዝርራብ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኬንያ ረቡዕ ኣኼባ ፀዊዖም ኣለው።

11 ኣሸበርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ፕሬዝዳንት ኬንያታ ገሊፆም ኣለው።ነቲ ምጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ፍርዶም ክረኽቡ እዮም ንዝበሉዎም ‘’ፈርሓት’’ ኢሎም ብምፅዋዕ ሓፊሮምን ተሳዒሮምን እዮም ኢኦም።ኣስዒቦም ’’ዋላ እንተደመየ እውን ርእስና ኣየድነናን።ከምቲ ኩሉ ግዜ እዞም ገበነኛታት እዚኦም ከይፈራሕና እዮም ረኺቦምና።ኣይንትሓዝን።’’
ናይ ሱማሊያ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።
XS
SM
MD
LG