ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንጋዚ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ወደብ'ታ ኸተማ ኣብ ደገ ንድቅስ አለና ርድኡና ይብሉ


እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብ ትሕቲ ሳሃራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ገና ኣዝዩ ክፉእ ከም ዘሎ ይግለፅ'ሎ።

መንግስታት ንዜጋታተን ካብ ሊብያ ኣብ ዘውፅአሉ እዋን ነዞም ዘውፅእኦም ነፈርቲ ኾነ መራኽብ ዘይብሎም ሰደተኛታት ክሓስብኦም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተራስ ትማሊ ተማሕፂኖም'ዮም።

እንተኾነ ዛጊድ ክወስድ'የ ኢላ ዝመፀት ሃገር ከምዘየላ ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ስቢላ ውልክስ ሎሚ ካብ ጄኔቫ ገሊጸን።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስቢላ ወልክስ ትማሊ ከምዝበለኦ ብዙሓት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ አፍሪቃ ክአትውን ክወፁን ከምዘይከአሉን ከም ዕሱባት ወታሃደራት ተራእዮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊፆምልና 'ለው ኩነታቶም ነቃላሓሎም አለና ክብላ ገሊጸን'የን።

XS
SM
MD
LG