ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ሓገዝ ምዕባለ(DAG)፣ንምዕባለ ኢትዮዽያ ይግምግም


DAG
DAG
ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮዽያ ገርት ጉት፣ብርኪ ድኽነት ኣብ ኢትዮዽያ ኣዝዩ ዓሚቅ ስለዝኾነ፣መንግስቲ ንህዝቢ ካብ‘ቲ ድኽነት‘ቲ ንምውፃእ ዝሓንፀፆ ገዚፍ ውጥን ዝናኣድ‘ዩ።ክንዲ ዝካኣለና ሓገዝና ክነውፊ ኢና ኢልና ድማ ቃል ኣቲና ኢና ኢሎም።

ቁጠባ በቲ ዝድለ መእንታን ክዓቢ፣ኣብ ማክሮ-ኢኮኖሚ ክተኣታተቶ ዘለዎም ፖሊሲታት ኣመልኪትና ብቀፃልነት ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ንዘራረብ ኣለና ይብሉ ወካላይ ሃገራት መሻርኽቲ ምዕባለ ኢትዮዽያ (DAG) ኣምባሳደር ገርት ጉት።

መብዛሕተኦም መዐቀኒታት ማክሮ-ኢኮኖሚክስ ቁጠባ ኢትዮዽያ፣ኣብ ክሊ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ኣሎ።ዋላ‘ኳ ናይ ሎም-ዘበን ትሕት እንተተበለ፣ኣብ‘ተን ዝሓለፋ ሸሞንተ ትሻዓተ ዓመታት፣መጠን ዕብየት ኢትዮዽያ ባዓል ድርብ ኣሃዝ ኮይኑ‘ዩ ተመዝጊቡ ኢሎም ኣምባሳደር ገርት ጉት።

እቲ ኣብ ኢትዮዽያ ይትግበር ዘሎ ፖሊስን ግብራውነቱን ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ድማ ”ንዓይ ምዕባለ ማለት ብነብሱ ኪኢሉ ሸቶ ኣይኮነን። ምዕባለ ውፅኢት ዝተነፀረ ፖሊሲ‘ዩ።መንግስቲ ዝነፀሮም ፖሊሲታት፣መሰረት ዘደንቁ ምዕባለታት ከምዝኾውን‘ዩ።ግን ርግፀኛታት ምኻን ኣይካኣልን።ንሕናን ምንስትር ፋይናንስ ከምዝበልናዮ፣ግዳማዊ ፀላዊ ረቋሒታት‘ውን ኣለው። ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ቅልውላው‘ሎ።ደርቂ፣ከጋጥም ይኽእል።ጊዚያዊ ሒቅታ ከስዕብ ዝኽእለሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል‘ዩ።ብዝኾነ ነቲ ኢትዮዽያ ዝወሰደቶ ተባዕ ስዳሮታት ግና ካብ ምንኣድ ዓዲ ኣይንውዕልን” ኢሎም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:27 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG