ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ንዘላ መጥቓዕቲ ኮኒኖም። እቲ መጥቓዕቲ ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ክብል እውን ፀዊዖም።
ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መጥቓዕቲ እስራኤል ‘’እቲ ኣዝዩ ውፁእ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት እዩ" ክብሉ ብምግላፅ እስራኤል ንተቐማጦ ቓዛ "ኣፅኒታቶም’’ ክብሉ ከሲሶም።
ፋቂ ብጣቕዒት ተኣከብቲ ኣብ ዝተዓጀበ መደርኦም "ነዚ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቓዕትታት ብፅኑዕ ከም እንኹንኖ ርግፀኛታት ኢና’’ ኢሎም ።
ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቦመንበርነቶም ይልቁ ዘለው ፕረዚደንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ ደቡብ ኣፍሪቃ ንእስራኤል ኣብ ዓለምለኽ ቤት ፍርዲ ምኽሳሳ ንኢዶም።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዕጡቓት ሓማስ ዒላማ ካብ ምግባር ወፃኢ ምፅናት ዓሌት ኣይፈፀምኩን ክትብል ብትሪ ትነፅጎ።
ሻቐሎት ግጭታት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ይርኣዩ ዘለው ዕልዋ መንግስታትን ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ጎሊሖም ዝተላዕሉ ዛዕባታት'ዮም ኔሮም።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምስታፍ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ብራዚል ልዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ዂናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ምስ ሆሎኮስት ኣወዳዲሮምዎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ይፍፀም ዘሎ ኣብ ካልእ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዘይተርኣየ እዩ። ሓቂ እዩ ሂትለር ንኣይሁዳዊያን ክቐትል ከሎ ጥራሕ እዩ ተፈፂሙ’’ ኢሎም።
እስራኤል ነቲ ምስ ጃምላዊ ቕትለት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንፅፃር ትነፅጎ።
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ርእይቶታት ፕረዚደንት ብራዚል ነቲ ብናዚ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ቕትለት ኣቕሊሉ ዝርኢ ቀይሕ መስመር ዝሰገረ እዩ ኢሎም።
ፕረዚደንት ሉላ ‘’ሕሱም ፀረ-ሰማዊ’’ እዮም ክብሉ ነታንያሁ ከሲሶምዎም።
ቅጥዒ