ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መጭወይቲ ሰባት እናወሰኸ ምምፅኡን ኣብ ዝተሓሳስብ ደረጃ ምብፅሑን ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ናይቲ ክልል ፖሊስ ኮምሽን ሓላፊ ሚዲያ ኮማንደር መሳፍንት እሸቱ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 278 ገበናት መጭወይቲ ከም ዝተፈፀመ ሓቢሮም። እቲ መጭወይቲ ቅድም ክብል ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ እንተነበረ እውን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ግን ኣብ ኩሉ ከባቢ ከም ዝፍጸም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ዝተፈጠሩ ግጭታት ገበናት መጭወይቲ ክውስኽ ምኽኒያት ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ ኮማንደር መሳፍንት እቲ ኣሃዝ ንፖሊስ ዘመልከቱ ጥራሕ ስለዘጠቓልል ትኽክለኛ ቁፅሪ ካብቲ ዝተጠቐሰ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቦም። እቶም ኮማንደር ብምውሳኽ መጨወይቲ ሓዊሱ ካልኦት ገበናት ንምቁፅፃር ብደረጃ ክልል ድልዱል ስርዓት ፍትሒ ንምዝርጋሕ ዘኽእሉ ሓደስቲ ኣሰራርሓታት ኣብዚ ዓመት ግብራዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ተሓጋጋዚ ዋና ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ራኬብ መለስ ብወገነን መንግስቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሓይልታት ፀጥታን ብኻልኦት ጉጅለታትን ዝፍፀም ገበናት መጭወይቲ ክቆፃፀር ኣለዎ ኢለን ኣ።
ቅጥዒ