ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ትግራይ ንሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ገሊጾም


ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ

መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ንሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጾም።

ኣቶ ጌታቸው "መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዋሓደ ብኣዋጅ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ድልየት ኣርእዩ ኣሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንመስርሕ ሰላም ዕንቅፋት እዩ" ኢሎም።

ንሶም ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮም ቃለ ምልልስ እዩ። ኣቶ ጌታቸው ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል፣ ንሰላም ቅሩባት ከምዝኾኑ ሓቢሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላዝቡ ሳልሳይ ወገን ዝበልዎም አካላት ናብ መቐለ ይመላለሱ ከምዘለው ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ልዑኻት ሕብረት አውሮጳ፣ ምስ ዶ/ር ደብረጽየንን ምስ ወከልቲ ሃይማኖታት እቲ ክልል ተራኺቦም ዘትዮም ኣለው።

ዋላ’ኳ መጠን ናብ’ቲ ክልል ዝኣቱ ሓገዝ እኽሊ ዝወሰኸ እንተኾነ ይብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፣ 30 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ናብ ህዝቢ ምብጻሕ ከምዘይተኻኣለን ኣብ መኻዚኖታት ከምዝርከብን ገሊጾም።

ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም ‘መንግስቲ ኣብዪ’ እናበሉ ንዝገለጽዎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሓቁ ይኹን ኣይኹን ዋላ’ውን እንተዘይፈለጠ፣ ድልየት ሰላም ከምዘለዎ ኣብ ዋዕላ ፓርላማ ብወግዒ አዊጁ እዩ" ድሕሪ ምባል፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ክዛረቡ ከለው ግና "ንመስርሕ ሰላም ዓንቃፊ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም ከሲሶም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘቃልሕዎ ክሲ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብቀጥታ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ የለን። እንተኾነ በብግዚኡ ኣብ ዝ ህብዎ መግለጺታት ግና ንመራሕቲ ህወሓት፣ 'ጸረ ሰላምን ፈጠርቲ ራዕዲን እናበሉ' እዮም ክብሉ ይኸስዎም።

XS
SM
MD
LG