ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝዛም ከምትሕግዝ ትገልጽ


ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሽዌ ቢንግ ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፋንን ምትእትታው ወጻእተኛታት ንምእላይን ሃገሮም ድልውቲ ምዃና ገሊጾም። ንሶም ነዚ ዝገለፁ አብቲ ንፈለማ እዋን አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ምምሕዳርን ልምዓትን እዩ።

ቻይና ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሹዱሽተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ አብ ዘካየደቶ ኣኼባ ኣብ'ቲ ዞባ ከባቢያዊ ህውከትን ምክፍፋላትን ይውስኽ ምህላዉ ሓቢራ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሽዌ ቢንግ ኣተሓሳስባ ዙሑል ኲናትን ፖለካዊ ስልጣንን እናዓብለለ ብኣንፃሩ ድማ ሰላምን ልምዓትን ተቃ፟ውሞታት የጋጥሞ ኣሎ ኢሎም።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ጊዜ ንግዳዊ ሽርክና ዝመሰረቱ ርክብ እዃ እንተሃለዋ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገራት አፍሪቃ ኢዳ ከተእቱ ንፈለማ እዋን እዩ። እዚ ኸኣ ሓዱሽ ለውጢ ፖሊሲ ቻይና እዩ ።

ሽዌ ከምዝበልዎ ጠመተ ቻይና ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ህሉው ኩነትን ሕሉፍ ልምድን ዝተሞርከሰ ኮይኑ ሃገራት እቲ ዞባ ንርእሰን ካብ ኢድ ኣእታውነት ደጋውያን ዝናገፋሉ ኣገባብ ኣብ ምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ።

"ቻይና ነቲ ናይ ሓባር፣ ሰፊሕ ምትሕብባርን ቀፃልነት ዘለዎ ራእይ ድሕነት ፀጥታ ሃገራት እቲ ዞባ ምድጋፍ ክትቅጽል ኢያ። ዞባዊ ድሕነትን ሰላም እተን ሃገራት ኣብ ምሕላውን ከምኡ'ውን ድምጺ ተኹሲ ዘይስመዐሉ ሃዋህው ንምፍጣርን ምስራሓ ክትቅፅል እያ።"

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ምምዝባላት ፣ ፈተናታትን ሳዕቤናት ኲናትን ዝፈትሕሉ ዝተፈለየ ሜላ ከናድዩ ይግባእ ኢሎም።

“ኣብ ሞንጎ ሰላምን ፀጥታዊ ድሕነትን ዘሎ ምትእስ ሳራት ኣብዚ ምግላፅ ዘይድልዮ ፍሉጥ ጉዳይ እዩ ። እቲ ዞባ ካብ ሸኽሚ ኲናትን ጎንፅን ዝረሓቀ፟ ሰላምን ድሕነቱን ዝተረጋጋፀ ኣብ ምግባር ኩሎም ኣካላት ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሕሉ ይግባእ ። ህዝቢ እቲ ዞባ እኹል ስቃ፟፟ይ ኣተኣናጊዱ እዩ ። ብምዃኑ ፀገማትና ብዝሰልጠነ ኣገባብ ክንፈትሕ ይግባእ።”

ቻይና ሃገራት እቲ ዞባ ፍልልያቶም ብዘተን ምርድዳኣትን ንምፍታሕ ኣብ ምሕያል ሓድነትን ፖለቲካዊ ጥበብን ዝተሞርከሰ ውሳነ ከምዘለወን ቀዲማ ትፈልጦን ትኣምነሉን ምኳና ትገልፅ።

XS
SM
MD
LG