ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንቕሉዕ ደብዳበ ኣፍሪቃዊያን ጸሓፍቲን ተሓለቕቲ መሰላትን ምላሽ ሂባ


መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ህቡባት ኣፍሪቃውያን ፀሓፍቲ ደረስቲን ተሓለቅቲ መሰላትን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስክፍተኦም ዝገለፅሉን ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ዝፀሓፍዎን ቅሉዕ ደብዳብ ብመልክዕ ርእሰ ኣንቀፅ መልሲ ሂብሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምላሹ እቲ ደብዳበ ዝተጻሕፈሉ ጊዜ ኮነ እቶም ጸሓፍቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክራኸቡ ዝመረጸሉ መንገዲ ንዕላማን ሃቐናን’ቲ ናይቲ ደብዳብ ሕቶ ዘልዕል’ዩ ይብል።

እቶም ህቡባትን ፀለውቲን ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝዘርግሕዎ ፕረዚደንት ኢስያስ ለውጢ ክገብሩ ዝጽውዕ ቕሉዕ ደብዳበ “ኣብዚ ኤርትራ ንስውኣታ እትዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ እቶም ኣፍሪቃውያን ነዚ ምፅሓፎም ግዚኡ ዘይሓለወ’ዩ” ክብል መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG