ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ብግዲ ካብ ስልጣን ምውራድ ኣየሻቕለንን’’ ፕሬዝዳንት ትራምፕ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ‘’ብግዲ ካብ ስልጣን ምውራድ’’ ዝብል ኣየሻቕለንን ኢሎም።

ሮይተርስ በይኑ ምስ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ‘’ዝኾነ ይኹን ጌጋ ንዘይፈፀመን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝዓበየ ቁጠባ ዝፈጠረን ሰብ ኣገዲድካ ንምውራድ ኣፀጋሚ እዩ’’ ምባሎን ንትራምፕ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ትማሊ ሰሉስ ፅሑፍ ኣውፂኡ’ሎ።

ዴሞክራሲያዊያን ተቓወምቲ ናይ ትራምፕ ጠበቓ ማይክል ኮሀን ቅድሚ ናይ 2016 ኣ/ፈ ምርጫ ምስ ምኽፋል ገዘብ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኣሳሰረ ነቲ ጉዳይ ኣልዒሎምዎ ኣለው።ዓቀብቲ ሕጊ እቲ ክፍሊት ብትእዛዝ ዶናልድ ትራምፕ እዩ ተፈፂሙ ይብሉ።

ላዕለዎት መራሕቲ ፓርቲ ዴሞክራስት እቲ ኽሲ ብግዲ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘኽእል ምዃኑ ርግፀኛታት እንተዘትኮኑ እውን ዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ግን እቲ ኽፍሊት ንሕጊ ወፍሪ ምርጫ ዝጠሓሰን ካብ ስልጣን ብግዲ ዘውርድን እዩ ይብሉ ኣለው።

ትራምፕ ንሮይተርስ ኣብሃብዎ ቃልን ግን እቲ ገንዘብ ካብ ወፍሪ ምርጫ ኣይተኸፈለን ‘’ዝፈፀምናዮ ጥሕሰት የለን’’ኢሎም ኣለው።

ብኣስገዳድ ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ዓብላላይ ድምፂ፣ብሪፓብሊካዊያን ካብ ዝምራሕ መወሰኒ ሕጊ ወይ ሰኔት ድማ ብክልተ ሲሶ ክድገፍ ኣለዎ።ዴሞክራት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነቲ ቤት ምኽሪ ብዓብላላይነት ክመርሑዎ እዮም።

XS
SM
MD
LG