ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ሰላምን ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምቛም ተዳሊና ኣለና ይብሉ ሙሁራት


ሩባ መረብ
ሩባ መረብ

‘ምሒር ታሕጓስ ዘበገሶ ክልተ ኣንስቲ ርእሰን ምቁጽጻር ኣብዩወን ዝወደቓሉ፣ ክሳብ 26 ጊዜ ዝተሰዓዓማሉ፣ ክትገልጾ ካብ ትኽእል ንላዕሊ’ዩ’ ኣብ መረብ ዝተራእየ ክስተት’ ይብል ዶ/ር ክንፈ ኣብራሃ ብዛዕባ ምርኻብ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክምስክር ከሎ።

ባሕቲ መስከረም ብወገን መረብ ራማ ዝነበረ ኩነታት ዶ/ር በረከት ብርሃነ ክዛረብ ከሎ ‘እዚ ህዝቢ’ዚ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝነበረቶ ታሪኻዊት ፍጻመ ሰለስተ ወርሒ’ዩ ተጸብዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ እንዳሃለወ፣ እዚን ከምዝ’ን እንዳሃለወ ስለምንታ’ከ እቲ ምፍልላይ ኣጋጠመ? ናብ ዝብል ሕቶ’ዩ ዘእትወካ’ ይብል።

ክልቲኦም ሙሁራት ‘ነቲ ዛጊድ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኣትዩ ዘሎ ሰላም መታን ከየምልጠና ንምዕቃቡን ንምጥንካርን ሰላም ዝሰርሕ ትካል ሰላምን ቅያረን (ትራንስፎርሜሽን) ኣብ ክልቲኡ ገጽ ሩባ መረብ ንምኽፋት ምቅርራባት ዛዚሞም ከምዘለው’ ጠቂሶም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:55 0:00

XS
SM
MD
LG