ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ
መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ

ፈላሚ መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ናይ ፈለማ ናይ ኩነተ-ሃገር መደረኦም ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 9:00 ምሸት ከስምዑ እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንዝተሃንጸ ድልዱል ቁጠባ ከምኡውን ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ-ሃገር: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣብ ዓመቶም ዝቐርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝተላዕለ ምስሕሓብ መንግስታዊ ትካላት ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻዎም ኣብ ሰሙኑ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናይ ኣመሪካ ናይ ዝኣተው መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ዝስርሓሉ ዘሎ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

04:17 31.1.2018

ኣብዚ ሎሚ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ማለት ሰዓት 9:00 ምሸት ፕረዚደንት ትራምፕ ዘቕርቦ መደረ ኩነተ ሃገር: ሓያሎ ወገናት ኣየናዮም ትራምፕ እዩ ክቐርብ ዝብል ሕቶ የለዕሉ።

እቲ ሓዊ ብዝተፍእ ዝመስል ንተቐናቐንቶም ዝጅልጥ ትራምፕ ድዩ ዋላ ንደገፍቶምን ተቓወምቶምን ዘስምር መደረ? ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝምለስ ሕቶ።

05:15 31.1.2018

ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ ሃገር ንሓፈሻዊ ባይቶ ኣመሪካ ከስምዑ ጀሚሮም።

05:20 31.1.2018

"ንጹር ራእይን ቅኑዕ ተልእኾን" ብዝብል መእተዊ ፕረዚደንት ትራምፕ መደረኦም ጀሚሮም። "ቁጠባና ሓያል'ዩ ምኽንያቱ ህዝብና ሓያል ስለ ዝኾነ'ዩ" ድማ ኢሎም።

State Of Union
State Of Union

05:37 31.1.2018

ሸቕሊ ኣልቦነት ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ታሪኽ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ ኢሎም ፕረዚደንት ትራምፕ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG