ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ
መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ

ፈላሚ መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ናይ ፈለማ ናይ ኩነተ-ሃገር መደረኦም ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 9:00 ምሸት ከስምዑ እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንዝተሃንጸ ድልዱል ቁጠባ ከምኡውን ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ-ሃገር: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣብ ዓመቶም ዝቐርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝተላዕለ ምስሕሓብ መንግስታዊ ትካላት ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻዎም ኣብ ሰሙኑ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናይ ኣመሪካ ናይ ዝኣተው መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ዝስርሓሉ ዘሎ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

06:13 31.1.2018
መድረ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:48 0:00

መድረ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን

06:11 31.1.2018

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣርባዕተ ዓንድታት ዝበልዎ ዝተሓንጸጸ መደብ ምምሕያሽ ኢሚግረሽን ገሊጾም

- ን 1.8 ሚልዮን ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ዜግነት ዝ ህብ መገዲ ምንጻፍ
- ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ መንደቕ ዘህንጽ ገንዘብ ምውጻእ
- ዲቪ ተባሂሉ ንዝፍለጥ መስርሕ ምቁራጽ
- "ቸይን ማይግረሽን" ተባሂሉ ንዝፍለጥ ዜጋታት ቤተሰብ ናይ ምምጻእ መስርሕ ምቁራጽ ኢሎም።

06:04 31.1.2018

ዋጋ ሕክምናዊ መድሃኒታት ብ "ተመልከተለይ" ኣብዚ ዓመት ክጎድል ምዃኑ ፕረዚደንት ትራምፕ ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

06:02 31.1.2018

"ሓደ ካብ ብዙሓት ቀዳምነታተይ ዋጋ ናይ ዝእዘዙ ሕክምናዊ መድሃኒት ምንካይ እዩ" ፕረዚደንት ትራምፕ

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG