ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ
መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ

ፈላሚ መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ናይ ፈለማ ናይ ኩነተ-ሃገር መደረኦም ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 9:00 ምሸት ከስምዑ እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንዝተሃንጸ ድልዱል ቁጠባ ከምኡውን ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ-ሃገር: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣብ ዓመቶም ዝቐርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝተላዕለ ምስሕሓብ መንግስታዊ ትካላት ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻዎም ኣብ ሰሙኑ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናይ ኣመሪካ ናይ ዝኣተው መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ዝስርሓሉ ዘሎ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

06:00 31.1.2018

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ 2009 ወተሃደራዊ መዳጎኒ ጓንታናሞ በይ ንኽዕጾ ንዘመሓላለፍዎ ወሳነ ዝቕልብስ: ሓድሽ ውሳነ ምምሕልላፉ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣፍሊጦም።

05:56 31.1.2018
ትራምፕ መደረ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:56 0:00

05:53 31.1.2018

"ኣብ ዝሓለፈ መራሒ ዳዕሽ ኣል ባቕዳዲ ዝርከቦም ብዕሽነት ንኣማኢት ሓደገኛታት ግብረሽበራውያን ተመሊስና ኣብ ግንባራት ንክንረኽቦም ፈቲሕናዮም ኢና" ዝበሉ ፕረዚደንት ትራምፕ: ወተሃደራዊ መዳጎኒ ጓንታኖሞ ክኽፈት ዝኽእለሉ መጽናዕቲ ክካየድ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዚዞም ምህላዎም ድማ ኣፍሊጦም።

05:37 31.1.2018

ሸቕሊ ኣልቦነት ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ታሪኽ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ ኢሎም ፕረዚደንት ትራምፕ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG