ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ
መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝካየደሉ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ

ፈላሚ መደረ ኩነተ ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ናይ ፈለማ ናይ ኩነተ-ሃገር መደረኦም ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 9:00 ምሸት ከስምዑ እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንዝተሃንጸ ድልዱል ቁጠባ ከምኡውን ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ-ሃገር: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣብ ዓመቶም ዝቐርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝተላዕለ ምስሕሓብ መንግስታዊ ትካላት ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻዎም ኣብ ሰሙኑ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናይ ኣመሪካ ናይ ዝኣተው መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ዝስርሓሉ ዘሎ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

06:35 31.1.2018
ኣባላት ካቢነ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ንመደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ብጣቕዒት የሰንዩ
ኣባላት ካቢነ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ንመደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ብጣቕዒት የሰንዩ

06:31 31.1.2018

ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን "ኣየጽቀጥኩን" ዝበሉ ፕረዚደንት ትራምፕ: "ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኢራን ብምስላፍ ንተባዕ ቃልሶም ንናጽነት ትድግፍ" ኢሎም።

06:27 31.1.2018

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኣፍጋኒስታን

"ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ሰራዊትና ሓድሽ መመሓደሪ ሕጊ ተዋሂብዎ ኣሎ። ምስ ብጾትና ኣፍጋኒስታናውያን ብምዃን ድማ ሰራዊትና ኣብ ዘይትግበር ገደብ ግዜ ኣይክኣቱን እዩ። ንጸላእትና ድማ መደባትና ኣይከነፍልጥን ኢና። "

06:19 31.1.2018
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ክብሪ ሃገራዊ ባንዴራ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:29 0:00

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ክብሪ ሃገራዊ ባንዴራ ኣመሪካ

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG