ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዕለታዊ ኣፍሪቃ ” ብዓይኒ ካሜራ

“ዕለታዊ ኣፍሪቃ ” ዝተባህለ ሓደ ማሕበረሰብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢንስቶግራም፡ ኣፍሪቃ ክንዮ እቲ ትልለየሉ ምስሊ ምድረበዳ፡ ጥምየት፡ጸገም፡ኩናትን ሕማምን ዘሎ ምስሊ ንዕለታዊ ህይወትን መነባብሮን ንህዝቢ ዓለም ንምልላይን ዝዓለመ ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ብኣሜሪካውያን ጋዜጠኛ ሰኣላይ ፒተር ዲካምፖን ጸሓፊ ኦስተን መሪል ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ: ንሶም ክንዮ’ቲ ልምዳዊ መግለጺ ዘሎ ክውንነት ኣፍሪቃ ንምስናድ ከምዝጀመሩ ይገልጹ። ድሕሪ ኩናት ሓድሕድ ኣይቨሪኮስት ንዘሎ ኩነታት ንምስናድ ምስ ጀመሩ: ሓሳብ'ቲ ፕሮጀክት ከምዝተላዕለ ብተወሳኺ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 370,000 ሰዓብቲ ከምዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ። ብዘይካዚ “ዕለታዊ ኣፍሪቃ - 30 ሰኣልቲን ምቕያር ምስሊ’ታ ኣህጉር” ዝብል ናይ ስእሊ መጽሓፍ ምሕታሙ ተገሊጹ’ሎ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG