ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ብዝተላዕለ ግጭት ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኦሮሞ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳወብቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ብሰንኪ ዘሎ ግጭትን ቅልውላው ፀጥታን ካብ ክልል ሶማልያ ዝተመዛበሉ ካብ 40 ክሳብ 50 ሽሕ ዝኾኑ ተወላዶ ኦሮሞ ናብ ምብራቕ ሃረርጌ ኣትዮም ክብል ኣመሓደሪ እቲ ዞባ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ጭናቅሰን ሎሚ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ተገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ሞት ዘስዓበ መጥቓዕቲ እናተፈፀሞም ኣብ ብርቱዕ ስግኣት ከምዝለው ይገልፁ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG