ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ግጭት ዕጡቃት ሶማሌን ኦሮምያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው’ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ገሊጾም


ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ
ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ

‘ብመሰረትር ትእዛዝ ቀ/ሚ፣ ሰራዊት መከላኸሊን ፌደራላዊ ፖሊስን ጣልቃ ኣትዩ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት ክልል ሶማሌን ኦሮምያን ዝተወለዐ ግጭት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዕሎ’ ሚኒስትር ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ዶ/ር ነገሬ ሌንጮ ንሬድዮ ፋና ብመሰረት ዝሃብዎ መግለጺ ‘ቅድሚ ፌደራላዊ ሓይሊ ናብ’ቲ ከባቢ ምእታው፣ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዕንወት ከምዝወረደ’ ሓቢሮም።

‘ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ ካብ ጂጂጋ፣ ኣወዳይን ከባቢኡን ዝተመዛበሉ 600 ሰባት ኣብ ሃረር ከምዝኣተውን ድሕሪ ኣድላዪ ደገፍ ምርካብ ናብ ዝመጽሉ ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:20 0:00

XS
SM
MD
LG