ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝተላዕለ ግጭት ደው ክብል ዝተፈላለየ ፓርትታት ጸዊዖም


ሞያሌ- ሓንቲ ግጭት ዘጋጠመለን ከተማታት
ሞያሌ- ሓንቲ ግጭት ዘጋጠመለን ከተማታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ደው ንክብል መንግስቲ ድማ ጣልቃ ክአትው ዝተፈላለያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቀሳ ፓርቲታት ጸዊዖም።

ነዚ መጸዋዕታ ዘቅረቡ ናይ ኦሮምያ ሓድነት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ፡ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ግንባር አቦ ነጻነት ኦሮሞ፡ ፓርቲ ሰጓሚ ስርዓት ገዳንን ግንባር ነጻነት ሓድነትን ኦሮምያን ብሄራዊ ፓርቲ ነጻነት ኦሮሞን ዝተባህሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቀሱ ፓርትታት እዮም።

ኣብ መንጎ ተዳወብቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ሶማልያን ዝቀጸለ ጎንጺ ከምዘሻቀሎም ዝገልጹ እዞም ፓርቲታት እቲ ጎንጺ ክሳብ ሎሚ ከምዝቐጸለ ሓቢሮም ኣለው።

ካብ ሃረር ክሳብ ሞያሌ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብዝተላዕለ ግጭት ህይወት ሓያለ ሰብ ከምዝጠፍአ’ውን ገሊጾም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG