ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 88 ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኦስካር ንብሉጻት ስነ-ጥበባውያን

ካብቲ ንብሉጻት ተዋሳእቲ ዝዋሃብ ሽልማት ኦስካር: ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ብሉጽ ተዋሳኣይ ከምኡውን ብሪ ላርሰን ብልጽቲ ተዋሳኢት ተባሂሎም ነቲ ዝተዳለወሎም ሽልማት ኦስካር ተቐቢሎም።

ዲ ካፕርዮ ነዚ ሽልማት ዝበቕዐ ኣብታ ረቨናንት (Revenant) እትብል ፊልም ከምኡ'ውን ብሪ ላርሰን ድማ ኣብታ ሩም (Room) ዝተባህለት ፊልም ብምውሳእ'ዮም ነዚ ክብሪ ዘለዎ ሽልማት ክበቕዑ ክኢሎም።

ዳይረክተር ፊልም ኣለሃንድሮ ኢናሩቲ ድማ ንፊልም ረቨናንት (Revenant) ብዝገበሮ ብሉጽ ኣልያ (Directing) ተሸላሚ ኦስካር ኮይኑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ፊልም ስፖትላይት(Spotlight) ብሉጽ ትሕዝቶ ስእሊ ብምቅንባር ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር ኮይና ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረቚሓ።


ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG