ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፊሊፒንስ ፖሊስ ንመምርሒ ቫይረስ ኮሮና ዝተሓሰ ተኹሶም ክቐትሉ ኣዚዙ


ፕረ. ሮድሪጎ  ዱተርተ
ፕረ. ሮድሪጎ  ዱተርተ

ፕረዚደንት ፊሊፕኒስ ንመምርሒ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝጠሓሰ ተኩስኩም ቅተልዎ ክብል- ንፖሊስ`ታ ሃገር ኣዚዙ።

ፕረ. ሮድሪጎ ዱተርተ ትማሊ ብተለቪዥን`ታ ኣብ ዝሃብዎ መምርሒ፥ ኣብ ናይ ማኒላ ሰፈር ድኻታት ቀረባት መግቢ ውሑዱና ኢሎም ሰልፊ ድሕሪ ምውጽኦም`ዩ። ንሱ ነቶም ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መምርሒ፥ እቶም ተሰልፍቲ ምስማዕ ኣብዮም ንህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ዘእትውኹም እንተኾኖም- በልዎም ቅተልዎም ኢልዎም።

ዱተርተ ቅድሚ ሎሚ`ውን ንኣዘዋወርቲ ሓሺሽን ዕጸ-ፋርስን ብዘይ ምሕረት ስጉምቲ ሞት ብምውሳድ ክኹነን ጸኒሑ`ዩ። ኣብ ፊሊፕኒስ ዛጊት 96 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ሞይቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG