ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ግብጺ ኣትዩ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ግብጺ ኣትዩ`ሎ። ብመሰረት መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ፕረዚድነት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣሲሲን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ግብጺን ተራኺቡ፥ ብዛዕባ ክልቲኣውን ዞባዊን ጉዳያት ክዛረብ`ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኢትዮጵያን ሱዳንን`ውን በጺሑ ኔሩ`ዩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ጃፓን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ፥ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ጉዳይ ተፋስስ ኒል ከምኡ`ውን ማእከላይ ምብራቕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ግብጽን፥ ብዛዕባ ምሕያል ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ዕቱብን ተኸታታልን ምኽክር ከምዝጸንሐ ኣተንቢሁ`ሎ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ ሓዲሽ ግድብ ህዳሴ፥ድሕሪ ምስሕሓብ፥ ኣብ ጽዑቕ ልዝብ ተጸሚደን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG