ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ገዛኢ ፓርቲ ዲሞክራቲክ ኦሮሞን ጸገማቶም ብሰላም ንምፍታሕ ተሰማሚዖም


ነቲ ብኣባ-ገዳ ማለት ብዓበይቲ ዓዲ ኦሮሞ ዝተሸምገለ ስምምዕ፡ ብወገን ኦዴፓ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞ ዶ/ር ኣለሙ ስሜ፡ ብወገን ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ድማ ኣቦ-መንበር ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝተመርሐ`ዩ ኔሩ።

ኣብ`ቲ መድረኽ ስምምዕ፡ ኣካቢ ሕብረት ኣባ-ገዳታት ኦሮሞ ኣባ-ገዳ በየነ ሰንበቶ “ ህዝብና ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክኣቱ`ዩ ዝደሊ” ኢሎም።

እቶም ኣባ-ገዳታትን ኣደታት ሲቄን “ፓርትታት ፖለቲካ ዝቐረበልኩም ናይ ዕርቂ ሕቶ ክሳብ ትቕበሉና ኣይንቕመጥን፡ ንገዛና`ውን ኣይንምለስን” ክብሉ ሓቲቶም።

እቶም ፓርትታት ፖለቲካ ድማ ብሓድነት፡ ካብ ኣባ-ገዳታትን ካባ ኣደ-ሲቀን ዝቐረበሎም ናይ ሰላምን ናይ ዕርቅን ስምምዕ ከምዝቕበሉ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ`ዚ ኣቦ-መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ሰራዊት ኦነግ ንኣባ ገዳን ንህዝቢ ኦሮሞን ኣረኪብና ኣለና፡ ተጸዋዕነቱ`ውን ንኣባ-ገዳን ንህዝብን`ዩ ክብል ኣፍሊጡ። “ሰራዊት ኦነግ ኣባ-ገዳታት ብዘቐምጥዎ መንገዲ መሰረት ዕጥቁ ንኣባ-ገዳን ንዓበይቲ ዓድን እናረከበ ይእቶ” ኢሉ።

ኣብ`ቲ ኮንፈረንስ ሰላም፡ ዕጡቕ ሰራዊት ኦነግ ዕጥቁ ንምፍታሕን እቲ ሰራዊት ናብ ካምፕ ንምእታውን ከምኡ`ውን ካልኦት ስምምዓት ንምፍጻም ሓደ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ`ሎ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ምሁራን 11፡ ካብ ኣባ-ገዳታት 54፡ ካብ ኦዲፓ 3፡ ካብ ኦነግ 3 ኣባላት ዘለውዎ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ክቐውም ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ኣብ`ቲ መድረኽ፡ ብዘይካ መሪሕነት ኦነግን ኦዴፓን ካልኦት ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ፖለቲካን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም ምንባሮም ጸብጻባት ቪኦኤን መንግስታዊ ሚድያን ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG