ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብልዝብ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ" ኣቶ ደመቀ መኮነን


ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን -ፋይል
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን -ፋይል

ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብልዝብ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ክብሉ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፊሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቃት ሱዳን ኣብ ከባቢ'ቲ ዶብ ኸፊቶሞ ብዝነበሩ ተኹሲ ከቢድ ብረት ኣብ ከባቢ እቲ ዶባ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓያለ ሰብ ሃብቲ ተመዛቢሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ምርጫ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሰላምዩ ኢሎም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG