ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሕ/ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ምውሳኑ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ተገሊጹ


ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ክካየድ ምውሳኑ ካብ ቁጠባ ብዝዘለለ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ናይታ ሃገር ሰላም ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምውሳኑ ስዒቡ ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘለዋ ፅኑዕ መርገፂ ዝተረድኡ ዝበሉዎም ውሳነ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምሕላፎም ኣመስጊኖም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈፀመ ምፍታሕ እሱራት ነዚ ውሳነ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ዶክተር መሰንበት ኣሰፋ ድማ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ጉባኤ ክተተኣናግድ ምውሳኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ብዝሓሸ ከምዝተረድእዋ ዝሕብር እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG