ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ሃገራት ኣብ መዓልቲ ሓሶት ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘላግጹ ውልቀሰባት ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዘሕልፉ ሓቢረን


ታይላንድን ህንዲን ዝርከብወን ገለ ሃገራት ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝዝርግሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ሓደጋታትን ንምጉዳል ኣብቲ ሎሚ ዝዝከር መዓልቲ ሓሶት ብዛዕባ’ቲ ቫይረስ ኣብ ዘላግጹ ውልቀሰባት ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዘሕልፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ዝዓበየ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ጎግል’ውን ሎሚ ዓመት ንመዓልቲ ሓሶት ዝምልከት ላግጺ ኮነ ዋዛ ከምዘየውጽእ ሓቢሩ’ሎ።

ታይላንድ ኣብዚ መዓልቲ ሓሶት ብዛዕባ’ቲ ቫይረስ ዘላግጹ ሰባት ክሳብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከምዝፍረዱ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት’ታ ሃገር ጺ ኢንግ ወን ምስዚ መዓልቲ ሓሶት ብዝተአሳሰር ብዛዕባ’ቲ ቫይረስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ውልቀሰባት ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ወይ $99,200ዶላር ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከምዝፍረዱ ሓቢሮም ኣለው።

ህንዲን ጀርመን’ውን ኣብዚ ሰባት ኣብ ቴክኖሎጂ ዝያዳ ዝውከልሉ እዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዜጋታተን ብዛዕባ’ቲ ሕማም ላግጺን ዋዛን ኣብ መርበብ ሓበሬታት ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ን ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG