ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ድሕሪ ደጊም ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ'ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሓቂ ዘይተረድኦ ጥራይ'ዩ" ፕረ. ኢሳያስ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ድማ ናብ ዋና ከተማ ደቡብ ክልል ዝኾነት ከተማ ሃዋሳ ምብጻሕ አካይዶም።

ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተካየደ ናይ ምሳሕ እንግዶት ፕረዚደንት ኢሳያስ "ድሕሪ ደጊም ንህዝቢ ክልቲኣን ሃገራት ክልቲ ህዝቢ'ዩ ኢሉ ዝሓሰብ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ'ዩ" ድሕሪ ምባል ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዃዕ ሓጎሰኩም ኢሎም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብዝኣተውሉ እዋን ብዝሒ ዘለዎ ነባሪ’ታ ከተማ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩሎም።ንናይ ሃዋሳ ኢንዱትሪያዊ ፓርክ ከምዝርኣዩ እውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ናይ ቲዊተር ገፆም ሓቢሮም።

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ኣብቲ ናይ ሃዋሳ ዑደት አርማ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጌጸ ገመል ንፕረዚደንት ኢሳያስ ህያብ ኣበርኪቶምሉ።

ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ሓያሎ ሚንስትራት ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝኣተውሉ ኣቀባብላ ካብ መንጎ ዝገበሩሎም ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦ ወንበር ህውሓትን ዝኾኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ክኾኑ ከለው ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ድማ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብናይ ኦሮሞ ባህሊ ዝለዓለ ክብርን ትርጉምን ዘለዎ ፈረስን ዋልታን ብህያብ አበርኪቶምሎም።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ፕረዝዳንት ኢሳያስ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ክበፅሑ ከለው ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተወሳኺ መራሕቲ ሃይማኖት፣ኪነ ጥበባዊያን ፍሉጣት ሰባትን ከምተቐበልዎም ይገልጽ።

ንሱ ብዙሕ ልሙድ ብዘይኮነ ኣገባብ ንክብሪ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መድፍዕ ከምዝተተኾሰ’ውን ይሕብር።ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ወፂኦም ናብ ቤት መንግስቲ ኣብዘምርሕሉ እዋን ንዕኦም ክቕበል ዝወፀ ብዙሕ ህዝቢ ፈቐዶ መንገዲ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ተቐቢሉዎም።

ሓለዋ ፀጥታ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝለዓለ ምንባሩን ፈቐዶ ቦታ ሰባት ይፍተሹ ከምዝነበሩን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ’ሎ።

ብፕረ. ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ሚንስተራትን ሰበ ስልጣን መንግስቲን ከምዘፋነውዎ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ብፕረ.ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀ/ሚ አብይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስመራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብዝገበርሎም ዕድመ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ዴምህት/ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቓዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ንመግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይቲ ውድብ ብምጥቓስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬት ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ምልዓሉ፣ፖለቲካዊ እሱራት ይፍትሑ ምህላዎምን ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው እናሰፍሐ ምምጽኡን ን20 ዓመታት መዕልቦ ከይረኸበ ዝፀንሐ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መዕለቢ ዝርከበሉ ዕድል ምፍጣሩ ነቲ ውሳነ ምሕላፍ ምክንያት መግለፂ ናይቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ።

ኣባላቱ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክዕቀቡ እውን ደምህት ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ሰላማዊ ቓልሲ ንምክያድ ዘኽእል ከምዝኾነ ብዘለዎ እምነት ዕጥቓዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG