ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ፈላሞት ክልተ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምሟቶም ኣፍሊጣ


ደቡብ ኣፍሪቃ ን ንሰለስተ ሰሙን ክትዕጾ ዘውጸኣቶ መምርሒ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳሞት ብኮሮናቫይረስ ዝሞትዋ ክልተ ሰባት`ውን ኣፍሊጣ።

እቲ ኩነታት እንተዘይተቐይሩ እቲ ናይ 21 መዓልታት እገዳ ክናዋሕ ከምዝኽእል`ውን ኣጠንቂቓ`ላ።

ሚንስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወሊ ምክሒዚክልቲኦም ዝሞቱ ኣብ ምዕራባዊ ኬፕ`ምዃኑ ሓቢራ`ላ። ልዕሊ ሓደ ሺሕ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ረኺባ`ላ። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ዝተፈልጡ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ በጺሖም ኣለዉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣውጺኣቶ ዘላ መምርሒ ምዕጻው ትርር ዝበለ`ዩ- መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ይእግድ-ሰባት ንኣገዳሲ ነገር ከም መግብን መድሃኒትን ክዕድጉ እንተዘይኮይኑ ደገ ውጺኦም ኣብ ኣደባባይ ክዘናግዑ ኣይክእሉን- ከልቢ ምዝዋር`ውን ኣይፍቀድን።

ኩሉ ዶባታ`ውን ዓጽያ`ላ- ኣገዳሲ ቀረባት ዝሓዘ ጽዕነት ጥራይ`ዩ ክኣቱ ዝኽእል። እቲ ኩነታት እንተዘይተመሓይሹ እቲ ናይ 21 መዓልታት ክናዋሕ`ውን ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ሙዚቀኛታት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ጥንቃቐታት ንምፍጣር ሓደሽቲ ደርፍታት ይቐርጹ`ለዉ። ብዛዕባ ምፍንታት፥ ምልክታት`ቲ ሕማም፡ ከምኡ`ውን ብዓቢኡ ብዛዕባ ምሕጻብ ኣእዳው ይደርፉ`ለዉ- ዕላምኦም ሰባት ብኻልእ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ኣገዳሲ ሓበረታ ንምምሕልላፍ`ዩ።

ኣብ ኡጋንዳ ፍሉጥ ደራፋይ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ዝወዳደር ዘሎ ባቢ ዋይን ኣብ ደርፉ ' እቲ ሕማቕ ዜና ኩላትና ግዳያት`ቲ ቫይረስ ክንከውን ንኽእል፥ እቲ ጽቡቕ ዜና ድማ ኩላትና ናይቲ ፍታሕ ኣካላት ኢና " ይብል።

ፍሉጥ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝነበረ-ሎሚ ድማ ፕረዚደንት ላይበርያ-ጆርጅ ዊያ፡ ማይክሮፎን ኣልዒሉ ከምዚ ኢሉ`ሎ፥ " ኣዴኻ ክትከውን ትኽእል፥ኣቦኻ ክኸውን ይኽእል፥ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ፥ ብሓባር ንልዓል ኣንጻር`ዚ ቀታሊ ሕማም ንግጠም" እናበለ ይጭድር።

ኣብታ ብኸቢድ ተሃሪማ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን መንእሰያት መዘምራን ሓንቲ ገጠር፡ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ይዝምሩ ፥ ኣይትጨነቑ ክንሓልፎ ኢና ዝብል መልእኽታት`ውን የመሓላልፉ።

ሰነ-ጥበባኛት ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን በብወገኖም ከካብ ዘለውዎ ብዛዕባ ቃልሲ ኮሮናቫይረስን ክንገብሮ ዝግብኣና ጥንቃቐን ተመሳሳሊ መልእኽትታት የሕልፉ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG