ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝዓበየ ረቛሒ ምርጫ 2020 ኣሜሪካ መስርሕ ፍርዲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኽከውን'ዩ ተባሂሉ


ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝብል ውሳነ ካብ ዘሕለፈሎም መበል ሳልሳይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ኣለው።ንሶም ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝተወሰነሎም ግን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግም ዝተዓወቱ ፈላማይ ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ንምስራሕ ተስፋ ኣለዎም፤ሰኔት ነፃ ክገብሮም’ውን ትፅቢት ኣሎ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዝተሰጋገረሉ ሕጂ እዋን እቲ ካብ መዝነት ናይ ምውራድ ድራማ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ’ሎ።

መስርሕ ካብ መዝነት ምውራድ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሰኔት’ታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ’ሎ።ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ንደገፍቶም ምርጫ 2020 እንታይ ከምዝመስል ከምዚ ክብሉ ተዛረቡ።

“ንሕና ስልጣን ናባኹም ናብ ህዝቢ ኣሜሪካ ኢና ንመልሶ ዘለና።ብሓገዝኩም፣ብተወፋይነትኩምን ባህግኹምን ኣብ ስራሕ ምውፋርኩም ክቕፅል እዩ።ቃልስና ቀፃሊ እዩ፤ ዓወትና እውን ኣይተርፍን”።

ከም ናንሲ ፍረይ ዝኣመሰሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብምንቅስቓስ ትራምፕ ሕጉሳት እዮም።

“ኣብ ምሉእ ሃገር ፅቡቕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።በብዕለቱ ንዓና እዩ ዝቃለስ ዘሎ።ምስዚ ኩሉ ዕንቅፋት ከመይ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይፈልጥን፣ግን ይሰርሕ ኣሎ።ንባዕሉ ይኹን ንኹላትና ፅቡቕ እዩ።”

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዳግመ ምርጫ ትራምፕ ዓብዪ ተፅዕኖ ዘለዎ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ይኻየድ ኣሎ።ነቲ መጋባእያ ይመርሑዎ ዘለው ዋና ዳኛ ጆን ሮበርትስ ኣብ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ንሰኔተራት ከምዚ በሉዎም።

“ብመሰረት ሕገ መንግስትን ሕግን ብዘይኣድልዎ ፍትሒ ክትህቡ ኣምላክ ይሓግዝኩም።”

ሰኔት ብዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐርብ ክሲ ሰሚዖም ክፈርዱ ኮፍ ኢሎም ኣለው።ኣባል ኮንግረስ ኣዳም ሺፍ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፀቕጢ ፈጢሮም ክብሉ ኸሲሶም ኣለው።

“ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉ እንተድኣ ተፈቒዱሎም ንሕገ መንግስቲ ስግኣት እዩ።”

ሰኔት ንትራምፕ ነፃ ክገብሮምን ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉን ሰፊሕ ትፅቢት ኣሎ።

ከይዲ ናይቲ መጋባእያ ንውፅኢት እቲ ምርጫ ክፀልዎ ከምዝኽእል ጆን ፎርቲየር ዝተብሃለ ተንታኒ ይገልፅ። ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ዕብየትን ወፍሪ ምርጫ ኣብ ምክያድ ብዘለዎ ብልጫን ትራምፕ ከምዝርብሑ ጂም ካስለር ዝተብሃለ ተንታኒ ይዛረብ።

መፃኢ ዕጫ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣብ ሰኔት ክውሰን እዩ።ወሃብቲ ድምጺ ድማ ኣብ ሕዳር 2020 ናይ መወዳእታ ፍርዶም ክህቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG