ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምስ ቀ/ሚ ኣቢይን ኣቦ- መንበር ሕ/ኣፍሪቃ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ሎሚ ሓሙስ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ’ዚ ቀረባ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንዝተኸትመ ነባሪ ምቁራጽ ተኹሲን ትግባረኡን ምሉእ ደገፍ ከምዝገብሩሉ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም ሕቡራት ሃገራት፣ ነቶም ሰብኣዊ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ምሉእ ዓቕሙ ከምዝጥቀም’ውን ቃል ኣትዮም።

ሰለስቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ዛዕባታት ከምዝዘተዩ’ውን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝላኣኾ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG