ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር እቶትን ግምሩክን ዝርከብዎም ብብልሽውና ዝተኸሱ ብዙሓት ሰባት ክሶም ክቋረጽ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ


ኣቶ መላኩ ፈንታን ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን
ኣቶ መላኩ ፈንታን ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን

ዋና ዳይሬክተር በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩክን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓዊሱ በከቢድ ገበናት ብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክሶም ንኽቋረፅ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።ብኻልእ ወገን ብገበናት ግብረሽበራ ተኸሲሶም ክሶም ክቋረፅ ዝተወሰነ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተፈትሑን ገሊኦም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን ምንጭታት ገሊፆም።

ዳይረክተር በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩክን ዝነበሩ ኣቶ መላኩ ፈንታን ምኽትሎሞ ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን ሓዊሱ ብብልሽወና ተኸሲሶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክስታቶም ንኽቋረፅ ዓቃቢ ሕጊ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ምሕታቱ ተፈሊጡ።ክልቲኦም ሓለፍቲ፣ካልኦት ሰበስልጣን ናይቲ ቤት ፅሕፈትን ዓበይቲ ነጋዶን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብገበናት ብልሽውና ተጠርጢሮም ተኸሲሶም ክከራኸሩ ፀኒሖም ኣለው።

ኣብ ቀረባ ብብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ገንዘብን ቁጠባን ኣቶ ኣለማየሁ ጉጆ ኽሲ’ውን ክቋረፅ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ ትፅቢት ይግበር።

ብኻልእ ወገን ብገበናት ግብረስህበራ ተኸሲሶም ዝነበሩን ክሶም ዝተቛረፀን ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ እሱራት ሎሚ እውን ከምዘይተፈትሑ ተፈሊጡ።ናይ ኣስታት 600 ተኸሰስቲ ጠበቓ ምዃኖም ዝዛረቡ ኣቶ ወንድሙ ኢቢሳ ክሶም ተቛሪፁ ዘይተፈትሑ ብዙሓት ኣለው ይብሉ።

“ብባሪዕ ሓዊን ግብረስህበራን ካብ መንጎ ዝተኸሱ 38 ብዘይካ ህይወት ብምጥፋእ ተኸላኸሉ ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ኩሎም ክሶም ተቛሪፁ ተባሂሉ’ሎ።ካብኦም ኣስታት 14 ዝኾኑ ከምዘይተፈትሑ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ።”

ኣቶ ወንድሙ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ክሶም ተቋሪፁ ዝተፈትሑን ዘይተፈትሑን ከምዘለው ሓቢሮም።ገሊኦም ድማ ክሶም ተቛሪፁ ዘይምፍትሖም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበይ ከምዘለው እውን ከምዘይፍለጥ ተዛሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG