ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ኤርትራዊያን ስደኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለው ኢሉ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰበስልጣን ወኪል ስደተኛታትክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ተቐርቂሮም ዝርከቡ ኣስታት 24,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታትኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ጉጅለታት ተበኣኢሱዎ ብዝቐፀለ ውግእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ከባቢ ማይፀብሪ ሓይሉ ብዝቐፀለ ውግእ ድሕነት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታትሻቐሎት እናዓበየ እዩ።

ትካላት ረድኤት ካብ 14 ሓምለ 2021 ኣ/ፈ ጀሚሩ ክበፅሑዎ ኣይክኣሉን ይብል ፀብፃብ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት።ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ዘሻቕል እዩ ይብል።

ወሃቢ ቃል UNHCR ባባር ባሎች ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ናብቶም መዕቖቢ ማእኸላት ሰሪጎም ኣትዮም ይብሉ።ኤርትራዊያን ኣብ ቀፃሊ ስግኣት ይነብሩ፣ምፍርራሕ የጋጥሞም ፣ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ተበቲኾም ኣለው ኢሎም።

‘’ኣብ ቀረባ ማዕልቲ ካብ መዕቖቢ ማእኸል ማይ ዓይኒ ዘሰንብዱን እሙናትን ፀብፃባት ረኺብና ኣለና’’ ዝበሉ ንሶም ’’ኣብ ውሽጢ እቲ መፅለሊ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ባእታታት እንተወሓደ ሓደ ስደተኛት ተቐቲሉ ኣሎ።እዚ ዳሕረዋይ ሞት 14 ሓምለ ካብ ዝተቐተለ ካሊእ ተወሳኺ እዩ’’ኢሎም።

ንቶም መቕተልትታት ኣየነዎት ዕጡቓት ጉጅለታት ሓላፍነት ከምዝወስዱ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም።ግን ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ እተን ክልተ ማእኸላት ከምዝንቀሳቐሱ እሙን ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ ኢሎም።

UNHCR ንከባቢያዊ ሰበስልጣናትን ናይ ኢትዮጵያ ወኪል ስደተኛታትን ድሕነት ናይቶም ስደተኛታት ከረጋግፁን ትካላት ረድኤት ናብተን ማእኸላት ክበፅሑ ክፈቕዱሎምምሕፅንታ የቕርብ ኢሎም ባሎች።

‘’መወፅኢ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ክረኽቡ ኣለዎም።ፅሩይ ዝስተ ማይ ይፅንቀቕ ኣሎ።ጥምየት ክውን ሓደጋ እዩ።ንኽልቲኦም ናይ መወዳእታ ረድኤት ዝተኸፋፈለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እዩ።ንሓደ ወርሒ ጥራሕ እዩ ተዋሂቡዎም’’ኢሎም።

ባሎች ኣብ ቀረባ ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየዱ ወታደራዊ ግጭታትንኣሽሓት ስደተኛታት ኣመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።ካብ መንጉኦም ኣስታት 55,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይርከቡዎም።ኣብ ጥቓ እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ ወታደራዊ ረፅሚ ይካየደ ስለዘሎ ንደሕንነቶም ዘሻቕህል እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG