ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክታበት ፋይዘር ባዮንተክ ነቲ ኣብ ብራዚል ዝተራእየ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና`ውን ከምዘዳኽሞ ሳተመራመርቲ ኣፍሊጦም


ክታበት ፋይዘር ባዮንተክ ነቲ ኣብ ብራዚል ዝተራእየ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና`ውን ከምዘዳኽሞ ሳይንትስታት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ`ቲ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ`ውን ዳርጋ ከምቲ ኻልእ ማዕረ ኣድማዕነት ከምዝርኣየ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ካልእ ምስ ክታበት ዝተታሓሓዘ ዜና፡RDIF ዝተባህለ ማዕከን ገንዘብ ሩስያ፡ ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ኣዲየኒ ዝተባህለ ካምፓኒ ብምዝራብ ነቲ ናይ ሩስያ ስፑትኒክ ቪ ዝተባህለ ዓይነት ክታበት ብብዝሒ ንምፍራይ ተሰማሚዑ`ሎ። ሕብረት ኤውርጳ ግን ነቲ ናይ ሩስያ ክታበት ገምጊሙ ስለዘይወድአ ኣባል ሃገራቱ ኣብ ምግዝኡ ክጥንቀቓ ከተሓሳስብ ጸኒሑ`ዩ። ገለ ሃገራት ግን ብበይነን ከጽድቕኦ ተራእየን`የን።

በብግዚኡ ክታበት ቫይረስኮሮና ንህዝቢ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ንገያሾ ነፈርቲ ዝምልከት ሓዲሽ መምርሕታት ክነድፍ መንገድታት ኣየር ይሓታ`ለዋ።

ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን፡ ተሳፈርቲ ምኽታቦም ዘረጋግጽ ሰነድ ከቕርቡ ዘኽእሎም ኣገባብ ይነድፉ ከምዘለዉ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ- እንተ ዘይተኸቲብካ ነፋርቲ ኣይትሳፈርን ማለት`ዩ።

ብኻልእ ወገን ዝተኸትቡ ሰባት ማስክ ክገብሩ ኣለዎም`ዶ የብሎምን ኣብ ዝብል፡ ምስ ውሕድ ዝበሉን ዝተኸተቡን ሰባት ብዘይማስክ ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ፡ ኣብ ህዝባዊ ውራያት ግን ማስክ ክገብሩ ከምዝግባእ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ኡጋንዳ፡ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ካብ መንግስቲ ህንዲ ዝተለገሰ 100 ሺሕ ተወሳኺ ክታበት ኮሮና ድሕሪ ምቕባላ ንጽባሕ ረቡዕ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ኮሮና ሰሪዓ`ላ። ኡጋንዳ ዛጊት ካብ ልግሲ ጥራይ 964 ሺሕ ዓቐን ክታበት ኮሮናቫይረስ ተቐቢላ`ላ።

ኡጋንዳ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዝዋ ኣስታት 40ሽሕ ዝሞትዋ ድማ 334 ምዃኖም ኣፍሊጣ'ላ ። ኣብታ ሃገር ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ዮናስ ተገኝ፡ እቲ ብኣስትራ ዚንካ ኣብ ህንዲ ዝፈረየ ክታበት ውሑስ`ዩ ክብል መስኪሩ`ሎ።

ጃማይካ ድማ ወፍሪ ክታበት ኮሮና ጀሚራ`ላ: ጽባሕ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክኽተቡ`ዮም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣንድሪው ሆልነስ ካብ ህንዲ ዝመጸ ቀዳማይ 50 ሺሕ ዶስ ዓቐን ትማሊ ሰኑይ ተቐቢሉ`ሎ።መራሒ ጀመይካ መትሓዝቲ ኮሮና ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ሰሙናት እንተዘይጎዲሉ ድማ እገዳ ምዕጻው ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ`ሎ ።

XS
SM
MD
LG