ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዙር ቶስካና ብዓወት ኢጣልያዊ ጆቫኒ ቪስኮንቲ ተዛዚሙ


ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝርከቡሉን ትማሊ ዝተኻየደን ዙር ቶስካና ብዓወት ኢጣልያዊ ጆቫኒ ቪስኮንቲ ተዛዚሙ ኣሎ። ኮሎምብያዊ በርናል ኢጋን ካልኣይ ከምኡ’ውን ሩስያዊ ቸርካሶቭ ኒኮላይ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ልዕሊ 204 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱን ብብርታዐኡ ኣህጉራዊ መለክዒ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዙር ቶስካና ተዓዊቶምሉ ኣለው።

ኣብቲ 20 ክለባት ዝተሳተፋሉ ዙር ቱስካና: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ማለት ካብ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስን ካብ ክለብ ኮፊደስ ናትናኤል ብርሃነን ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለው: መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ማለት ናይ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ ነቲ ውድድር ምፍጻሙ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ። ንሱ ንዙር ቶስካና ክዕወተሉ ትጽቢት ገይሩ እኳ ናብቲ ውድድር እንተኣተወ: ናይ ጭዋዳ ጸገም ኣጋጢምዎ ናይ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ - ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ መስመር ፍጻመ ክረግጽ ከምዝተገደደ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ዙር ቶስካና ክፋል ናይቲ ዙር ኤውሮጳ 2019 ዝፍለጥ ቅድድም ብሽክለታ ኤውሮጳ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቪድዮ ቀሪቡ ኣሎ።

ክልተ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዙር ቶስካና ብዓወት ኢጣልያዊ ጆቫኒ ቪስኮንቲ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00

XS
SM
MD
LG