ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ኣልሸባብ ነቶም ኣብ ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዉ መንእስያት የቋምት፡ ማሕበረኮማት ማዕረኡ ይሰርሑ


ፋይል
ፋይል

ግብረሽበራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ሓደስት ኣባላት ክኸትብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣዒንቱ ኣውዲቕሎም ዘሎ፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስዩ ወገናት’ዩ። ብመሰረት ክኢላታት እቲ ዓውዲን ብቐረባ ዝምልከቶም ትካላትን ድማ፡ እቶም ግዳያት’ቲ ጉጅለ ክዀኑ ዝተጠርጠሩ መንእሰያት ንምእላይ ናይ ስልጠና መደባት ሰሪዑ ይነጥፍ ኣሎ። ኣብ ኬንያ ዘሎ ቅድድም እቲ ጕጅለን ኣውሓስቲ ጸጥታን ናብቶም ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዎም መንእሰያት’ዩ።

ወዲ 27 ዓመት ዓብዱላህ፡ ኣብ መፋርቕ 2019፡ ትስፉዎ ናይ ስራሕ ዕድል ድሕሪ ምርካቡ፡ ሕልሙ ክፍጸም ቀሪቡ ነይሩ። ናብቲ ተስፋ ዝተገብሮ ዕድል ምስ ከደ፡ ስራሕ ዘይኰነስ፡ ክጨውዩዎ ዝመጹ ኣባላት ኣልሸባብ’ዮም ጸኒሖሞ።

ከምቲ ኣብ ቴለቪዥን ዝርእዮም ዝነበረ ጽቡቕ ክዳን ዝተኸድኑን ብዓረብ ስሞም ዝተጻሕፈ ዘለዎን ሰባት ከም ዝቐረቡዎ ድማ ይሕብር ።

ካብኡ ተጨውዩ ዝተስደ ዓብዱላህ ብኣዝዩ ጽኑዕ ኣተርጓጕማ እምነት እስልምና ድሕሪ ዝቐሰሞ ትምህርቲ፡ ብኣፈ-ሙዝ ብረት ተስገዲዱ መጥቃዕቲ ከመይ ከም ዝፍጽም ተዓሊሙ።

“ብረት እታ ቀንዲን እምንቲን ዓርክኻ ምዃና ኢኻ እትመሃር። እቲ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ቦምባ ከም እትፍጅር ዘጠቓልል’ዩ። እቶም ዝሓሸ ትምህርቲ ዘለዎም ከኣ ምቅማም ከሚካላት ይመሃሩ፡”

ዓብዱላህ ንኣስታት ሓደ ዓመት ምስቲ ጉጅለ ክጸንሕ ከም ዝተገደደ ይሕብር። ፖሊስ ኬንያ ነቲ ብጉጅለ ኣልሸባብ ንዓንዲ መራኸቢታት ተንቀሳቐሲ ቴለፎን ከዕኑ ኣብ ዝፈተነሉ ዘፍሸሎ ስርሒት ግን ዓብዱላህ ከምልጥ ዕድል ገይሩ። ካብኡ ሃዲሙ ናብ ሞምቦሳ ተመሊሱ። ብመሰረት ሓበሬታ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲን ስትራተጂን ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ሓሰን ካነንጀ፡ ካብ ናይሮቢ፡ ኣልሸባብ ብቐንዱ ናብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ነባሮ ሞምቦሳ ዓሊሙ ከም ዝሰርሕ ይሕብር። ሕጂ ምስ ምግዳድ ለበዳ ኮሮና ዝፈጠሮ ቍጠባ ድማ ስራሓቶም ብዝለዓለ ይቕጽሉዎ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

“ምስ ለበዳ ኮሮና፡ እቲ ጉጅለ ሓደስቲ ኣባላት ዝቖጸረሉ ምቹእ ባይታ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ለበዳ ኣጓኒፉ ንዘሎ ዘይምዕሩይነት ድማ፡ ‘መንግስታት ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝገብሩዎ ዘለዎ ኣድሉዎ’ ኢሎም ከመኽንዩ ዕድላት ኣለዎም።”

ምምሕዳር ሞምቦሳ ኣብቶም ዒላማ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም መንእሰያት ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ነቶም ብፈኰስቲ ገበናት ከም ምልዓል ዝኣመሰሉ ጉድለታት ተኸሲሶም ዝጸንሑ መንእሰያት ንጉጅለ ኣልሸባብ ከይጽንበሩ ይዓዪ ኣሎ።

“ኒያሊ” ዝተሰየመ ንሰላም ዝሰርሕ ኮሚተ፡ ነዚ ስራሕ ኣብ ምቅላል ዝነጥፍ ትካል’ዩ። ዳይረክተር’ዚ ትካል ሸምሳ ፋድሂሊ ነቶም መንእሰያት ብጽቡቕ ስነ-ምግባር መታን ክዅስኰሱ ትምህርታዊ መደባት ከም ዝሰርዑ ትሕብር። ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሞም ኣምባሳድራት ሰላም ክዀኑ ድማ ተስፋ ይንበረሎም።

ዓብዱላህ ሓደ ካብቶም ምሕረት ተገይሩሎም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ዝተገብሩ ኣስታት 300 መንእሰያት’ዩ። ናብ ሕብረተሰብ ብሰላም ተመሊሶም ኣፍረይቲ ዜጋታት ንክዀኑ ድማ ዘድሊ ምኽሪን ስልጠናን ይወሃቦም። ገለ ካብኡ ሞያዊ ስልጠና’ዩ። ድሕሪኡ ካልእ ሓድሽ መንነት ስለ ዝሕዙ፡ ናብ ሕብረተሰብ ብሰላም ይጽንበሩ።

“ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሰ ሰላማዊ ናብራ ክመርሕ ሓገዝ ክግበረለይ ምዃኑ ተነጊረ። ኣነ ከኣ ከምኡ’ዩ ዝደሊ ዘለኹ። ክምርዖን ናብራ ክጅምርን እደሊ ኣለኹ፡” ክብል ድማ ዓብዱላህ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።

ኬንያ ንኻልእ ገጽ ለበዳ ኮቪድ-19 ተዳለወሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ማሕበረኮማት ድማ ነቶም ዝያዳ ግዳይ ክዀኑ ዝኽእሉ መንእሰያት ከድሕኑ ኣብ ስራሕ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG