ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ልኡኽ ጉጅለ ናብ አዲስ አበባ ከምትልእኽ ምፍላጣ ስዒቡ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ


ናይ ኤርትራ ፕረዚዳንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ህልው ኩነታት ንምፍላጥን ንመጻኢ ውጥን ስራሕ ንምንዳፍ ጉጅለ ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ ኣለና ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ነቲ ዜና ስዒቡ ኣብዝዘርግሑዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንልኡኽ ኤርትራ ንምቕባል ድልው እዮም ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየድ ናይ ዶብ ኲናት እንተወሓደ 70,000 ሰባት ሞይቶም።

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ መደርኦም ንሓባራዊ ቓልስን ኪሳራታትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓባባሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዑደት ፈፂሞም እንተነበሩ እውን ክልቲአን ሃገራት ዝርዝር ናይቲ ርክብ ኣይገለፃን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ዝወሰድዎ መርገፂ ንሶም ይወስዱዎም ካብ ዘለው ብዙሓት ለውጥታት ሓደ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG