ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ብሉጽ ኣጥቅዓይ ቱር ዲ ፍራንስ 10ይ መድረኽ ኮይኑ


ሎሚ ካብ ሰይንት ፍሎርስ ናብ ኣልቢ ኣብ ዝተኻየደ 217 ኪሎሜተር ዝሽፍን 10ይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ 2019: ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ብዘርኣዮ ብሉጽ ጸወታ መጥቃዕቲ ዕውት ሽልማት ኣንታርጋዝ መጥቃዕቲ Antargaz Combative Prize ኮይኑ ኣብ መድረኽ ተዓወቲ ቱር ዲ ፍራንስ ክድይብ በቒዑ።

ሻምፕዮን ዙር ኤርትራ 2019 ዝኾነ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ: ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተገብረ ቅድድም ኣብ ዝተፈላለየ ዝተሰርዐ ናይ መድረኽ ውድድራት ንመጋጥምቱ ራሕሪሑ ተደጋጋሚ ዓወታታት ብምሕፋሱ’ዩ ኣብ መድረኽ ተዓወቲ ቱር ዲ ፍራንስ ዝበቕዐ።

ብመሰረት ካብ ጋንታ ኮፊደስ ዝተረኽበ ሓበሬታ: ዓወት ናትናኤል ድሕሪ ተመሳሳሊ ዓወት ወዲ ጋንትኡ ስተፈን ሮሰቶ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ነቲ ዓወት ይጎናጸፍ ብምህላው ተገሊጹ። ናትናኤል ድሕሪ’ቲ ዓወት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ መድረኽ ጸወታ: ነዚ ናይ ሎሚ ዓወት ክሓፍስ ትጽቢት ገይሩ ምንባሩ ብምሕባር ይኹንምበር እቲ ዓወት ሎሚ ክቐንዖ ከምዝኸኣለ ጠቒሱ። ብውጽኢቱ ድማ ኣመና ምሕጓሱ መርበብ ሓበሬታ ክለብ ኮፊደስ ብተወሳኺ ገሊጻ።

ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ብሉጽ ኣጥቅዓይ ቱር ዲ ፍራንስ 10ይ መድረኽ ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቱር ዲ ፍራንስ ይ መድረኽ ቤልጅማዊ ውት ቫን አርት ብኣዝዩ ረቂቕ ብልጫ መሪሕነት ሒዙ ነቲ ውድድር ፈጺምዎ ኣሎ። ብሓገዝ ፎቶ ፊኒሽ ዝተባህለ ተክሎኖጂ ተጠቒሞም መሪሕንት ቤልጅማዊ ውት ቫን አርት ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ ኢልያ ቪቭያን ከምኡውን ኣውስትራልያዊ ካለብ እዋን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ናይ መድረኽ ዓወት ተጎናጺፎም ኣለው።

ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ድማ ዛጊት ፈረንሳዊ ጁልያን ኣላፍሊፐ ካብ ዱችኒክ ክዩክ ስተፕ፤ እንግሊዛዊ ግራይንት ቶማስ ካብ ክለብ ኢነዮስ ከምኡ’ውን ወዲ ጋንትኡ ኢጋን በርናል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ተሰሪዖም ይመርሑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG