ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንቕትለት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ


ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ብዝሰዓበ ቅትለት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶክተር ኣምባቸው መኮንን፤ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፤ ኣማኻሪ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣዘዘ ዋሴን ጥሮተኛ መጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ዝተሰምዖ ስምባደን ሓዘንን ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ ነዚ ዝጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ቅትለት ናይዞም ሰበ ስልጣን ንቤተሰቦምን ንመቕርቦምን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ሃገር ክሳራ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰበ-ስልጣን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘገልግልዎም ትካላት መንግስትን ብሓፈሻ ሃገርን ዝተወስደ መጥቃዕ'ቲዩ ክብል ድማ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። በዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኢትዮጵያ ንእተካይዶ ዘላ ብልጽግና ንምምጻእ፤ ምምስራት ሓቛፊ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ምርግጋእ ንምፍጣር ንእትገብሮ ዘላ ቁጠባውን ፖለቲካውን ተሃድሶ ምድጋፍ ከምእትቕጽሎ ሓቢሩ።

ነዚ ብጎነጽ ዝዕንቅፉ ወገናት ንረብሓ ኢትዮጵያ ዘጎናድቡ እዮም ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ደገፍ ከምዘይረኽቡን ብትሪ ድማ ንኹንኖም ክብል ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያውያን ንመብጽዓ ሓድነቶምን ተሃድሶን ከዕዝዙ ከምዝግብኦም ብምጥቃስ ብሓባር ነዚ መጥቃዕቲ ክኹንኑ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ኣመሪካ ንትካላውን ሰብኣውን ዓቕሚ ኣብ ምህናጽ ወፍሪ ከምተካይድ ብምሕባር: ምስ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብምትሕብባር ንዕቤት ሓድነትን ምርግጋእን መጻኢ እታ ሃገር ከምእትሰርሕ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG