ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሱዳን ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ


ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣስታት 5,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክሰግሩ ትፅቢት ከምዝግበር ሓደ በዓል ስልጣን ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ንኤኤፍፒ ገሊፆም። ንሶም እቶም ዝስደዱ ካብ ግጭት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝሃድሙ እዮም ኢሎም።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን 3,000 ኢትዮጵያዊያን ናብ ጎረቤት ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ልዕሊ 60,000 ኮይኑ ኣሎ።

እቶም በዓል ስልጣን ከሰላ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል "ውግእ ተባኢሱ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ኣብ ዝቕፅሉ 48 ስዓታት ኣስታት 5,000 ሓተቲ ዑቑባ ሱዳን ክኣትው ትፅቢት ንገርብ’’ ኢሎም ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕፅረት መግብን ቀረብን ጉድኣት የውርድ ኣብ ዘለሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት "ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ’’ ምባሉ ይዝከር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተደረተ ተበፃሕነት ክህልው ፀዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG