ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ፕረ.ትራምፕ ንዝሃብዎ ርእይቶ ብምቅዋም ሰልፊ አካይዶም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተዛረቡዎ ከምዘቖጥዖም ዝገለፁ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ሰልፊ ብምስታፍ ርእይትኦም ካብ ዝሃቡ ሓደ ዕላማ ናይቲ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዚ ክብል ገሊጹ።

"ፕረ. ትራምፕ ንልኡላዊነት ኢትዮጵያ፣ ንድሕንነት ናይቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ንክብርና ዝትንክፍ ዝተዛረቡዎን ኵናት ዘለዓዕልን ዘጉሀይና ምዃኑን ኣብ ልኡላነት ሃገርና ኣብ መንነትና ዘይንደራደር ምዃና ንምግላፅ እዩ።"

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ይወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ከይዓገቶም ተቓውምኦም ኣስሚዖም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG