ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሞትን መቝሰልቲን ከም ዘስዓበ መሰኻኽር ዓይኒን ሓካይምን ገሊጾም


ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን፡ ሎሚ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሞትን መቝሰልቲን ከም ዘስዓበ መሰኻኽር ዓይኒን ሓካይምን ገሊጾም።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ሞሶቦን ከተማ መቐለ ከባቢ ዕዳጋን ምክያዱ ተሓቢሩ'ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሓካይም መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡መቐለ፡ ትሽዓተ ሰባት በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ክመጹ እንከለዉ፡ ክልተ ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሮይተርስ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ነቲ ደብዳብ ኣሉታ ሂቡሉ ኣሎ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንከተማኡ ይድብድብ፧ መቐለ ናይ ኢትዮጵያ ከተማ እያ’’ ክብሉ መሊሶም።

ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ጽምጺ ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቡዎ ሓጺር ምላሽ፡ ዋላ’ኳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ “ሰላማዊ ዒላማታት ምውራዱ ሰሚዖም ዘለዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡” ዝበሉዎ ደብዳብ ነፈርቲ ምስማዖም ክገልጹ እንከለዉ ከረጋግጹ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG