ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ህዝብ መካይን ምንቅስቃሳት ተአጊዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንከተማ ባህርዳር ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ከተማታት ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ንዝኾነ ይኹን ናይ ህዝብን መካይንን ምንቅስቓሳት ኣጊዱ።

እገዳ ዝተነብረለን ከተማታት ባህርዳር: ኣዲስ ቅዳም: ቲሊሊን እንጂባራን እየን።

ዞባ ደቡብ ወሎ እውን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻልን እንተአጋጢሙ ድማ ዝተዋደደ ሕክምና ንምሃብን የኽእል እዩ ዝበሎም ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ሎሚ ረቡዕ ምሕላፉ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንምግፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንልዕሊ 7,000 እሱራት ከምዝፈትሐ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ዜና ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዘ ነባሪ እታ ከተማ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተወሺቡ ናይ ሕክምና ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።እቲ ውልቀሰብን ካልኦት ብብዝሒ ዝነብረሉን ከባቢታት ፅባሕ ሓሙስ ናይ ፀረ ታህዋሲያን መድሓኒ ከምዝንጸግ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG