ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ምርኻቦም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ክልተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ናይ ኢትዮጵያ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢንስቲትዩትን ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም።

37 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ነባሪት ከተማ ባህርዳርን 32 ዓመት ዝዕድሚኡ ነባሪ ዞባ ብሄረሰብኣዊን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።ክልቲኦም ኣብ ዝተዳለወ መወሸቢ ይሕብሐቡ ከምዘለውን ተሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰለስተ ሰባትምርካቦም ስግኣትን ስንባደን ፈጢሩ ኣሎ።ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይቲ ክልል መንግስቲ 12 ነጥቢ ዝሓዘ ውሳነ ኣውፂኡ።

ካብን ናብን ክልላት ዝንቀሳቀሱ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ መጎዓዚያ ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ኣገልግሎት ታክሲን ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብል ተወሲኑ ኣሎ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ድሕሪ ምእዋጁ ትማሊ ሰንበት ተወሳኺ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ብኻልእ ዜና ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ኣብ ጅቡቲ ይነብሩ ዝነበሩን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሮም ድሬዳዋ ዝኣተውን ኢትዮጵያዊያን ቁጽሪ ኣስታት 1,900 ከምዝበፅሑ ተፈሊጡ።እቶም ተመለስቲ ካብቲ ሕብረተሰብ ተፈሊዮም ኣብ ዩኒቨርስቲ ድሬዳዋ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣመራርሓ ስራሕ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ድሬዳዋ ኣቶ ሀርቢ ቡህ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG