ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት እንተፈሪሱ ሃገር ይብተን' ፕሮ. ህዝቅኤል ገቢሳ


Prof. Hiskiael Gabisa
Prof. Hiskiael Gabisa

ኣብ ኢትዮጵያ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት እንተፈሪሱ ሃገር ይብትን ኢሎም ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ::

እቶም ፕሮፌሰር ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት ጠሚቱ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ እዩ::

ፕሮፌሴር ህዝቅኤል ገቢሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ፅሑፍ ኣቕሪቦም እዮም:: ህብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ "ታሪኻዊ ሕቶታት ንምምላስ እዩ" ኣብ ተግባር ውዒሉ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ንሶም ብሄራዊ ወፅዓ ዘስዐቦ ሕቶ መንነት ነይሩ ይብሉ። እዚ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሃገር ይብትን እዩ ዝብል ዝልዓል ሓሳብ ከምዘይቕበልዎ ይዛረቡ። ስርዓት ፌዴራሊዝም ብባዕሉ ፀገማት ፈጢሩ እዩ ኢለ ኣይኣምንን ዝብሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ እቲ ስርዓት ግን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዝግባእ ኣብ ተግባር ብዘይምውዓሉ ፀገማት ኣስዒቡ ክኸውን ይኽእል ይብሉ::

ፕሮፌሴር ህዝቅኤል ህብረ ብሄራዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ካልእ ስርዓት ንምትካል ዝግበር ፃዕሪ ኣየዕውትን ኢሎም:: ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ታሪኻዊ ሕቶ ብሄረሰባት ንምምላስ ዓሊሙ ዝተተኸለ ስርዓት እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ ብሩባታት፤ እምባታትን ቀላያትን እቲ ኣወዳድባ ክጣየሽ ይሕሽ ዝብል ግን ካብ ምንታይ ተልዒልና ዝብል ሕቶ እዩ ዘስዕብ ኢሎም።

ሕገ-መንግስቲ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ: እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝረቐቐሉ ጊዜ ኣይተወከልናን ዝብሉ ኣለው ዝብል ንፕሮፌሰር ህዝቅኤል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣወዳድባ እንተወሲድና ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ማለት እውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ፤ መናእሰይ፥ ምሁራት ተሳትፎ ገይሮምሉ እዩ ረቒቑ: ስለዚ ዘይተሳተፉ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዘይተመረፁን ሕጋዊ ውክልና ዘይነበሮምን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዝተኽኣለ መጠን ግን በቲ ዝነበረ ኩነታት እኹል ውክልና ክህሉ ተገይሩ እዩ ክብሉ መልሲ ሂቦም ።

እቲ ዘሎ ዝመሐየሽ ነገር እንተለዎ እቲ ሕገ-መንግስቲ ባዕሉ መሰረት ገይርካ ምምሕያሽ ይከኣል እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካትዒ ብዛዕባ ዝኾነ ዓንቀፅ 39 ክመሓየሽ ይኽእል’ዶ ንዝብል ሕቶ እዚ ዓንቀፅ ሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ እዩ ዝብል ምላሽ ሂቦም:: ምስ መረፃ 2012 ዓ.ም ተኣሳሲሩ ንዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምልሱ ድማ: ሃገራውን ክልላውን መረፃ ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ብመሰረት ዝፈቕዶ ክካየድ ከምዘለዎ ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል መረፃ እንተዘይተኻይዱ ግና እቲ ሐዚ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ስለዘብቅዕ ዘይሕጋዊ መንግስቲ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG