ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ ኣበባ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዕግርግር ብዝተሓሓዝ 174 ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ፖሊስ ሓቢሩ


አዲስ አበባ
አዲስ አበባ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዝነበረ ዕግርግር 28 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊፁ።ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝእተዎም 174 ተጠርጠርቲ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቕርቦም ካልኦት 1,204 ሰባት ድማ ንስልጠና ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ከምዝልኣኾም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምስቃል ባንዴራን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ተኣሳሲሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘወረደ ኮሚሽነር ደግፌ በዲ ሓቢሮም።

“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህይወት ኣስታት 28 ሰባት ጠፊኡ’ሎ።ብክፍለ ከተማ ክንዝርዝሮ ከለና ኣብ ኣዲስ ከተማ 5፣ኣራዳ 2፣ኮልፌ 14፣ንፋስ ስልኪ 3፣ጨርቆ 5 ሰባት ሞይቶም።”

እዚ ኣሃዝ ናይ ቡራዩን ካልኦት ከባቢታትን ከምዘይሓውስ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ህውከትን ናይ ጎደና ዕግርግርን ዝተዋፈሩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝኣተውን ዝበዝሑ ጉዳዮም አጻርዩ ነጻ ከምተለቑን እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ኣብሪሆም።

“ኣብቲ ህውከት ብቐጥታ ዝተሳተፉ 1,204 ሰባት ንመአረሚ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ኣትዮም ክምሃሩን ሕጊ ኣኽበርቲ ዜጋ ንክኾኑ ፕሮግራም ሒዝና ናብኡ ወሲድናዮም ኣለና።ኣብ 10 ክፍለ ከተማታት እምኒ ዝደርበዩ፣ንሰባት ዝጎድኡ ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዘለዎም 174 ሰባት ኣለው።ናይዚኦም ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ዝውዳእ እዩ።”

ብዝሖም ብንፁር ዘይተፈልጠ ዝቖሰሉ ፈቖዶ ሆስፒታል ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ክገልፁ ከለው ህንፃታት መሳኹቶም ከምዝዓነወን ኣብያተ ባንኪ ንምዝራፍ ፈተነ ተገይሩ መሳኹቲ ከምዝዓነው ገሊፆም።

“ናይ ንግዲ ስርዓት ተዛቢዑ ብዙሓት ብንግዲ ዝመሓደሩ ሹቖም ንሰለስተ መዓልታት ተዓፅዩ እዩ ነይሩ።ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝለዓለ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።”

ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመናእሰይ ይሓፍስ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ብዘይሕጋዊ ሰልፍን ናይ ጎደና ናዕብን ዝለዓለ በዝሒ ዘለዎም ብዕስለ ህውከት ከምዘልዓሉን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ እምኒ እናደርበየ ጉድኣት ዘወረዱን እዮም፤ምሕፋስ ኣይኮነን ኢሎም።

ናይቲ ግጭት መንቀሊ ባንዴራ ምስቃልን ቀለም ምልኻይን ምንባሩ ዝሓበሩ ኮሚሽነር ደግፌ ፖሊስ ጥፍኣት ከይወርድ ዓብይ ጥንቃቐ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG