ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሓላፊ ስለያን ደሕንነት ነበር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊስ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጠርጢረዮም ዝበሎም ናይ ሃገራዊ ስለያን ደሕንነትን ሓላፊ ነበር ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ፖሊስ ሎሚ አቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ልደታ 10ይ ተረኛ መጋባእያ ገበን ኣብ ዘቅረቦም እዋን አሰቃቂ ተግባራት ስቅያት ብምፍጻም ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጹ’ሎ።

እዞም ሓላፊ ሃገራዊ ስለላ ነበር ብጥርጣረ ኣብ ልዕሊ ዝተታሕዙ ዜጋታት ካብ ማሕረምቲ ክሳብ ብኤሌትሪክ አሳቅዮም ጥራይ ነብሶም አንጠልጢልካን ገልቢጥካ ምግራፍን ዓይኖም ሸፊንካ ናብ ጫካ ምድርባይን ኣብ ኦም ሰቂልካ ምግራፍን ዝአመሰሉን ተግባራትን ብምፍጻም ከምዝጠርጠረምን መርትዖታት ከምዘለውን ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG