ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወራር ኣምበጣ ንምህርቲ’ቲ ዞባ የዕንው ምህላው ተገሊጹ


ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ ኣሕመድ ኢብራሂም ነቲ ቀንዲ ምንጪ አታዊኡ ዝኾነ ሕርሻ ጫት ዝወረሩ ኣምበጣ ንምብራር ይቃለስ።

“ ናብ ዕዳጋ ነቕርቦ ዋላ ሓደ ነገር የብልናን። ነቶም ሸሞንተ ደቐይ እንታይ ከምዝምግብ ኣይፈልጥን።” ክብል ኢብራሂም ነቶም ደቑ ዘባርርዎም ዝነበሩ ነቲ ቦታ ዝወረሩ ኣምበጣ ይጥምት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብወራር ኣምበጣ ምድረበዳ ዝባደመ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይረአ ምህላው ዓለምለኸ ትካል መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ይገልጽ።

“እዚ ወራር ኣምበጣ ነቲ ብምዕልቕላቕ ውሕጅን ደርቂን ዕንቅፋት ገጢምዎ ንዘሎ ውሕስነት መግቢ ኬንያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ዝፈጥር እዩ” ክብሉ ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር ፋኦ ቡካር ታጂና ይገልጹ። ንሶም ወሲኾም እቲ ወረራ ኣምበጣ ሰፊሕን ሓድሽ ተርእዮ ምኳኑ’ውን የረድኡ።

እቲ ወረራ ኣምበጣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ምብራቓዊን ሰሜናዊን ክፋል ኬንያ ብምዝርጋሕ ኣብ ምህርቲ መግቢን ቁጠባ’ታ ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ሚንስትር ሕርሻ ኬንያ ሓቢሮም።

ኬንያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ካብ ጥሪ 4 ጀሚራ ምንጻግ ጸረ ባልዕ ምጅማራ ተፈሊጡ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ማሕበር ሓረስቶት ኬንያ ዞባ ሰሜናዊ ላኪፓ ነቲ ድሕሪ 1954 ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ እዚ ወረራ ኣምበጣ ንምምካት ፈውሲ ባልዕ ናይ ምንጻግ መደብ ከምዘለዎ ይሕብር።

ነቲ ኣቐዲሙ ክጠፍእ ጀሚሩ ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብቲ ቦታ ዝተራእየ ወራር ኣምበጣ ብዝምልከት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ክልል ሶማል አካያዲ ስራሕ ምክትታል ምህርቲ ኣቶ አብዲ አደን “ክልል ሶማል ምስ ፈደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ምንጻግ ጸረ ባዕል የካይድ ኣሎ” ኢሎም።

ብመሰረት ሓበሬታ ፋኦ ሓደ ወራር ኣምበጣ ካብ 40 ኪ.ሜ ክሳብ 60 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ መሬት ከምዝሽፍን ይሕብር።

XS
SM
MD
LG