ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ሽረ ኣገልግሎት ቴለፎን ክጅምር’ዩ” ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢትዮ-ቴሌኮም


ኣብ ከተማ ሽረ ኣገልግሎት ቴለፎን ቀዳም ክጅምር መደብ ከም ዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢትዮ-ቴለኮም ኣቶ መሳይ ውብሸት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም በዓል መዚ ከም ዝሓበሩዎ፡ መስመር ቴለፎን ንምጅማር ኣብ ሽረ ዝርጋሐ ፋይበር ይሳለጥ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም። ዛጊት 266 ኪሎ-ሜተር ንውሓት ፋይበር ምዝርጋሑ ዘመልከቱ ኣቶ መሳይ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት እንተ ተዛዚሙ ስሩዕ መስመር ጽባሕ ቀዳም ክጅመር ተስፋ ኣለዎ። ድሮ’ውን ኣብ ገለ ክፋል እታ ከተማ ናይ ፈተነ መስመር ክካየድ ምጽናሑ ወሲኾም ገሊጾም።

ኢትዮ-ቴሌኮም ድሕሪ እቲ ኩናት ኣብ 13 ከተማታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌፎን ከምዘጀመረ ዝተዛረቡ አቶ መሳይ፣ ንከተማታት አኽሱምን ዓድዋን እውን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌፎን ንምግባር ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም። ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ድምፂ ቀዳምነት ከምዝወሃብን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ድማ ኣብ ከይዲ ከምዝጅመርን ኣቶ መሳይ ሓቢሮም።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ክልል ትግራይ መዓዝ ከምዝጅምር ንምዝራብ ግን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም። ኣገልግሎት ቴሌፎን ንምጅማር ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላው ድማ ጠቒሶም። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንከተማ ሽረን ካልኦት ከተማታት እቲ ከባብን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ፅገና መሓውር መሰረተ ልምዓት ይገብር ኣለኹ ይብል። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን እቲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ መዓዝ ከምዝጅመር ግን እቲ ከይዲ ፅገና ኢዩ ዝውስኖ ኢሎም። እንተኾነ እተን ከተማታት ብህፁፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረኽባ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣቶ መሳይ ውብሸት ስለምንታይ ኣገልግሎት ቴሌፎን ብሽረ ጥራሕ ክጅመር ከምዝተገበረ ተሓቲቶም መንግስቲ ካብ ናይ ፀጥታ ስግኣት ነፃ እዩ ኢሉ ዘረጋገፀልና ከባቢ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም። መንግስቲ ውሑስ ቦታ እዩ ኢሉ ብዝሃበና ኣንፈት ኢና ንጅምር ድማ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG